2012-07-31 16:07:39

ህውከትን ግጭትን ሶርያ ንዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ የተሐሳስብ አሎ ፡

 


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ጥቃ ዘለዓለማዊት ሮማ አብ መካነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ካስተል ጋንዶልፎ አብ ዕረፍቲ ከም ዝርከቡ ክዝከር ከሎ ፡ ቅድሚ ትማሊ ዕለተ ሰንበት ምስ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት አብ ዝደገምሉ ግዜ ነቲ አብዚ ግዜ’ዚ አብ ሶርያ ዚካየድ ዘሎ ኲናት አተኲሮም ከም መራሒ መንፈሳዊን ሞራላውን መራሒ እቲ ኲናት ክግታእ አቤቱታ ከም ዘቅረቡ ይዝከር ።

በነዲቶስ መበል 16 አብ ሶርያ ዝርኤ ዘሎ ፖሊቲካዊ ህውከት አብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢስ ሞት ስቃይ ራዕድን ስደትን የኸትል ስለ ዘሎ ክቁጸ ከም ዝተማህጸኑ እቲ ህውከት ብሰላማዊ አገባብ ክግታእ ከም ዝተማሕጸኑ ይፍለጥ ።

እቲ ኲናት አብ ልዕሊ ሕይወት ሰብ ሞትን ሞቁሰለትን የኸትል ከም ዘሎ ንብረት የብርስ ከም ዘሎ ዘመልከቱ በነዲክቶስ መበል 16 እዚ ኹሉ አብ ምንቲ ምንታይ ነቲ ሽግር ብሰላማዊ መንገዲ ዘይፍታሕ ብማለት መንግስትን ተቃወምቱን ህውከት ክዓግቱ ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ክአ አብ ሶርያ ሰላም ክሰፍን ክሽምግል ሐደራ ከም ዝበሉ ይፍለጥ ።

ሰላማውያን ሰባት ሕጻናት ሽማግለታት ደቀንስትዮ ሕይወቶም ይስእኑ ከም ዘለዉ ህዝቢ ካብ ቤት ምንብረቱ ይስደድ ከም ዘሎ ተቂሶም ክአ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ነቲ ህዝቢ ሰብአዊ ሐገዝ ከቅርቡ ከም ዝተላበዉ ይፍለጥ ።

አብታ አብዚ ቀረባ ግዜ ማእከል ህውከት ዝኾነት ከተማ አለፖ አርመን ካቶሊክን ግሪክ ካቶሊክን ሊቀ ጳጳሳት ቡጥሮስ ማራያቲን ጂን ክለመንት ጂንባርትን እቲ ርእሰ ሊቃነ በነዲክቶስ እቲ ህውከት ክግታእ ዘቅረብዎ ምሕጽንታን ልመናን ንህዝቢ ዓቢ ተስፋ ከም ዝኾነ ጠቂሶም እቲ ህውከት ግን ይቅጽል ከም ዘሎ አፍሊጦም።

ሰራዊት መንግስቲ ሶርያ ንከተማ አለፖ በኸቢድ ብረት የጥቅዓ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ አብ ዝሐለፈ ክልተ መዓልቲ 200 ሺሕ ህዝቢ ካብታ ከተማ ከም ዝተዘናበለ ተቅዋማት ባዩቶ ሕቡራት ሀገራት አገንዚቦም።

ሬውተርስ አገልግሎት ዜና ከም ዘመልከቶ ተቃውምቲ መንግስቲ ሶርያ ነታ 2 ሚልዮንን 500 ሺሕን ህዝቢ ዝነብራ ከተማ አለፖ አብ ትሕቲ ቁጽጽሮም አእትዮማ ።አብ ከተማ አለፖን ከባብን ሰባአዊ ቅልውላው ተኸሲቱ ከም ዘሎን ህዝቢ ብስእነት መግብን ፈውስን ዳሩ ይርኢ ከም ዘሎ አብቲ ቦታ ዝርከቡ ውሑዳት አበላት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት አፍሊጦም። ናይ አለፖ ምክትል ሐላፊ ፖሊስ ዓሰርተ ሐደ ፖሊስ አኸቲሎም ንቱርኪ ከም ዝተሰደዱ ክአ ተነጊሩ ።

መንግስቲ ፈረንሳ ህጹጽ አኬባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ከም ዝጸውዔት ካብ ፓሪስ ዝመጸ ዜና ሕበሬታ ሂቡ ።

መንግስቲ ባሻር አል አሳድ ከሚካል አጽዋር ውግእ ክጥቀም ይኽእል ዝብል ስግአት ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ መንግስቲ ደማስቆስ ወጻእተኛታት አብ ሀገሩ ጣልቃ እንተአትዮም ጥራሕ ክጥቀም ከም ዝክእል ከም ዘመልከተ ይፍለጥ ።

መንግስቲ እስራኤል መንግስቲ ሶርያ ባዮሎጂካዊን ከሚካውን አጽዋር ውግክጥቀም

ይኽእል ዝብል ስግአት ስለ ዘለዋ ነዚ ንምግታእ ቅድመ ምስንዳው ከም ዝገበረት ይንገር አሎ ።መንግስታት ቱርክን ዮርዳኖስን አብቲ ምስ ሶርያ ዘዳውበን ከባብታት ጥብቂ ሐለዋ ጸጥታ ክግበር ከም ዝወሰና ክምልከት ከሎ ፡ 300 ሚእቲ ሺህ ዝኽወን ህዝቢ ሶርያ ብጠንቂ”ዚ ግጭት”ዚ ንጐረባብቲ ሀገራት ንሊባኖስ ዮርዳኖስ ቱርክን ዒራቅን ከም ዝተሰደደ ይፍለጥ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብ ሶርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብጹዕ አቡነ ማርዮ ዘናሪ መራሕቲ ሃይማኖታት ሶርያ ብሐባር ንሰላም ጠጠው ክብሉን ነቲ ግጭት” ንምግታእ ዝክአሎም ኩሉ ክገብሩ እተሐሳሲቦም ።



ቤት ምኽሪ ጸጥታ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ጉዳይ ሶርያ ብዚምልከት አብ ሐደ ስምምዕ ክበጽሕ ዘይምክአሉ እቲ ግጭት ንክቅጽል ዕድል ከም ዝረኸበ ፡ መንግስታት ሩስያን ቺናን ንድምጺ ብድምጺ ብምግታእ ጸረ መንግስቲ ሶርያ ዝሐልፉ ውስኔታት ከም ዝተከላኸላ ይምልከት ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግስታትን ቱርክን መንግስታት ፕረሲዳንይ ባራኽ ኦባማን ቀዳማይ ሚኒስተር ቱርኪ ታዪፕ ኦርደጋንን ትማሊ ሶርያ ብዚምልከት ብስልኪ ን36 ደቃይቅ ከም ዝተዘራረቡ ካብ አንካራ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።በዚ ዜና’ዚ መሠረት ክልቲኦም መንግስታት አብ ሶርያ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቆመሉ ጉዳይ ብዚምልከት ብሐባር ክሰርሑ ዘክእሎም ኩነታት ዘተኮረ ዘተ አካይዶም።መንግስቲ ሶርያ አብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ምቅታል ተግባር ከም ዘተሐሳሰቦም ከም ዝግለጹ ክአ መራኸቢ ብዙኀን ቱርኪ አመልኪቶም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ መከላኸሊ ሚኒስተር ልአኦን ፓነታ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ሶርያ ሰራዊት ሶርያ ሐድነቱ ክዕቅብ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ ።

ብኻልእ ወገን ትማሊ አብ ሶርያ ናይ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ወተሀደራዊ ተዓዛቢ ጉጅለ ዋና ሐላፊ ሌውትናንት ጀነራል ባባካር ጋየ ዝሐዘት መኪና ብሰራዊት ሶርያ ከም ዝተጠቅዔት ክምልከት እንከሎ ዋና ጽሐፊ ባን ኪሙን ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖም መንግስቲ ሶርያ ካብ ተግባሩ ክቁጠብ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ ።

ህውከት ሶርያ ዝሐለፈ ዓመት 2011 ወርሒ መጋቢት ከም ዝተጀመረ ክዝከር ከሎ ብጠንቂ”ዚ ህውከት”ዚ ክሳዕ ሕጂ 20 ሺሕ ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ ተፈሊጡ አሎ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሐፈሳ ናይ ሀገራት ማእከላይ ምብራቅ ካሪታስ ነቲ ሀገሩ ገዲፉ ዝተሰደደ አብ ቱርኪ ሊባኖስ ዮርዳኖስ ዒራቅ ዝርከብ ህዝቢ ሶርያ በሐደ ወገን ነቲ አብ ውሽጢ ሀገር ዝተዘናበለ ህዝቢ በቲ ህደ ወገን ሰብአዊ ረዲኤት የቅርባ ከም ዘለዋን ሀገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ መግብን ፈውስን ክልእኽ ከም ዘተሐሳሰባ ካብ በይሩት አማን ኢስታምቡል ዝመጹ ዜናታት አፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.