2012-07-30 09:38:27

አብ ባሕመ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር :


አብ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ምግታእ ንግዲ አጽዋር ውግእ ብዝምልከት አብ ኒውዮርክ ዚካየድ ዝነበረ ጉባኤ ከም ዝተዛዘመ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።አብ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ አቡነ ፍራንሲስ ቻሊካት አብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ክምለከት ከሎ ፡ ምሻጥ ምልዋጥ አጽዋር ውግእ ንሕብረ ሰብ ጐዳኢ ድአምበር ጠቅሚ ከም ዘይብሉ ጠቂሶም አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ አብ ሕቡራት መንግስታት አብ ደንቨር ብሐደ ውልቀ ሰብ አብ ልዕሊ ንጹሐት ሰባት ዘውረዶ ቅትለትን መቁሰልትን አዝኻኺሮም።

ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኸነ ንግዲ አጽዋር ውግእ ክዓግት ዘተሐሳሰቡ አብ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብጹዕ አቡነ ፍራንሲስ ቻሊካት ግዳያት አጽዋር ውግእ ንዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት ሰብአዊ ሐገዝ ከቅርብ ከም ዝሐተቱ ካብ ኒውዮርክ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።

ገበነኛታት ብ ኢ ሕጋዊ ማለት ሕጋዊ ብዘይኮነ አገባብ ብዝሸመትዎ አጽዋር ውግእ በሽሐት ዝቁጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቀትሉን እዚ ዘሕዝንን ዘተሐሳስብን ከም ዝኾነ ብፁዕ አቡነ ፋንሲስ ቻሊካት ነቲ አብ ኒውዮርክ ዝተጋብኤን ዝተዛዘመን ምግታእ ንግዲ አጽዋር ውግእ ዝተመልከተ ጉባኤ ከም ዝገለጽሉ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚካየድ ንግዲ አጽዋር ውግእ ጠንቂ ዓለም ለኸ ሰላም ጠንቂ ኤኮኖምያዊ ዕቤት ጸረ ሰብአዊ ሕግታት ጸረ ሰብአዊ መሰል ስለ ዝኾነ ናይ ግድን ክግታእ ዘለዎ ጉዳይ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ጽኑዕ እምነት ከም ዝኾነ አብ ባይቶ ቀዋሚ ተዓዛቢ ብጹዕ አቡነ ፍራንሲስ ቻሊካት ከም ዘመልከቱ ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ናይ ብሕቲን ናይ ሃይማኖትን ሐዊስካ ዓለም ለኸ ተቅዋማት ዓለም ሰላማዊ ባህሊ ክምዕብል ናይ ብሐባር ምንባር አምር ክምዕብል ጐስጋሳት ክካየድ ክአ ብፁዕ አቡነ ፍራንሲስ ቻሊካት አገንዚቦም።

መራሕቲ መንግስታት ዓለም አብ ዓለም ሰላም ፍትሒ ርግአት ንምርግጋጽ ናይ ፖሊቲካ ድላይ ከርእዩ ክአ ብፅዕነቶም ከም ዘተሐሳሰቡ እዚ ካብ ኒውዮርክ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.