2012-07-24 16:23:19

ኩነታት ሶርያ ፡


ደማስቆስ ፡ መንግስቲ ሶርያን ተቃወምቱን ብዘለዎም ሐይሊ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ኲናት ሶርያ ብሰላማዊ መንገዲ ክግታእ ዝብል ሐሳብ እናማህመነ ይኸይድ ከም ዘሎን መራኸቢ ብዙኀን ማእከላይ ምብራቅ የመልክቱ አለዉ ።

መንግስቲ ሩስያ ዜጋታቱ ንሶርያ ከይጓዓዙ ሎሚ አብ ሞስኮ ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ ። ኩነታት ሶርያ ጸንኪሩ ከም ዘሎን ኲናት ይቅጽል ስለ ዘሎን ክብል እቲ መግለጺ ከም ዘመልከተ ካብ ሞስኮ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።



መንግስቲ ሶርያ ከሚካል አጽዋር እንተተ ጠቂሙ ብዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ክሐተት ከም ዝኽእልን ዘሕዝን ጌጋ ከይፍጽምን ፐረሲደንት ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ባራክ ኦባማ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ ።

ናይ ወጻኢ ሀገራት አብ ኲናት ሶርያ ጣልቃ እንተአትየን ከሚካውን ባዮሎጂካውን አጽዋር ከም ትጥቀም መንግስቲ ፕረሲደንት ባሻር አል አሳድ ከም ዘፍለጠ ይዝከር ።

አብ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ መንግስታት ሩስያን ቺናን አብ ልዕሊ ሶርያ ማዕቀብ ከይውሰድ ስለ ዝተኸላኸላ ፡ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ንተቃወምቲ መንግስቲ ሶርያ ብመራኸብን ብሐበሬታ ኲናትን ብወተሀደራዊ ታዕሊምን ከም ትተሐባበሮም ከም ዘፍለጠት ካብ ዋሺንግቶን ይምልከት ።

ናይ መንግስቲ ፍረንሳ ወጽኢ ጉዳይ ሚኒስተር ላውረን ፋብዩስ መንግስቲ ሶርያ ከሚካል አጽዋር ከይጥቀም ብምትሕስሳብ ካብዚ አዕናዊ ተግባር ክቁጠብ ከም ዘተሐሳሰቡ ካብ ፓሪስ ዝመጸ ዜና አመሊቱ

ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት አመሪካን እስራኤልን ላዕሎዎት ሶርያ ዘለዋ ከሚካል መሳርያን ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ፕረሲደንት ባሻር አል አሳድ ክኽሰት ዝኽእል ኩነታትን ዘተኮረ ዘተ ብምስጢር ከም ዘካየዱ ክአ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

ብዓይኒ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ውድቀት መንግስቲ ፕረሲዳንት ባሻር አል አሳድ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ተቃወምቲ ሐይልታት መንግስቲ ሶርያ ግዝያዊ መሰጋገሪ አካል ክምስርቱ የድልዮም።

ተንተንቲ ፖሊቲካ ከም ዘመልክትዎ ሶርያ ብሰሜናዊ ወገን ብሔር ኩርዲ አብ ገማግም ሶርያ ዝርከብ ብሔረ ዓላዊት አብ ደቡባዊ ሶርያ ድሩዚ አብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝርከቡ ሱኒቲ ክበታተኑ ተኽእሎ አሎ ።

አብ ሞንጎ ብሔራት ሶርያ ዚካየድ ናይ ዘይምጥዕዓም ግጭት አብ ጐረባብቲ ሀገራት አብ ሊባኖስ ዒራቅ ቱርኪ ዮርዳኖስ ፖሊቲካዊ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከም ዝኽእል ክአ አሚቶም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብ ርእሰ ክተማ ደማስቆስ 200 ሺሕ ህዝቢ ከም ዝተዘናበለን ህዝቢ አደዳ ጥሜት ፍርሕን ስደትን ምዝንባልን ኮይኑ ከም ዘሎ ይንገር አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.