2012-07-21 12:33:36

፪ ሰንበት ዘክረምት “ዘደመና” 8ሓምለ 2004 ዓ.ም.(7/15/2012)


መዝሙር፡ ይሰጠዎ ወይሰምዖ. . . . . ።
ንባባት፡ 2ቆሮ 12፡7~10፥ 1ጴጥ 3፡8~15፥ ግ.ሓ. 14፡8~19፥ ማር፡ 6፡1~6
ምስባክ፡አርውዮ ለትለሚሃ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሓ። “ንነግሕታታ ተስትዮ፥ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ ንብቝላ ትባርኾ” መዝ. 65፡10።
መዝሙር፡ ደመናታት ቃሉ ይሰምዑ ብትእዛዙ ዝናም የውርዱ፥ ንሱ ንዕረፍቲ ሰንበት ሠርዓልና ነቲ ዝናም ዝሀበና ሰላም ዝጽገወና ነመስግኖ ንዝምረሉ አምላኽ ነቲ ዝልምኖ ጽን ኢሉ ይሰምዖ እዩ። ጎይታ ሰንበትን አምላኽ ምሕረትን አብ ዓዓመቱ ክረምቲ ይኸፍት ደመናታት ከአ ቃሉ ይሰምዑ እዮም።
ኩሉ ካብ አምላኽ እዩ ዝውሃበና፥ ምሉእ እምነት ገርና ክንልምኖ ከሎና ይህበና። አብ ጊዜ ክራማት ፍሉይ ምህልላ ንገብር። አምላኽ ንኣና ዝኸውን ክህበና ብፍላይ ዝናሙ ክህበና፥ ዝዘራእናዮ ከምቲ ዝድለ ክፈርየልና፥ ብኹሉ ክባርኸና ንልምኖ። አብ ገጠራት ብፍላይ እንተ ረአናዮ ምሉእ እምነት አብ አምላኽ እንገብረሉ እዋን እዩ እንተበልና ዝተጋነነ አይኮነን። ሎሚ እውን ብምሉእ እምነት ክንልምኖ ክንቀርቦ ክንሰምዖ እሞ ተቐበልቲ ቃሉ ክንከውን አብ ኩሉ ሕይወትና ክንሰምዖ ክንቅበሎ ንሕተት አሎና።
ንኢየሱስ ተቐቢልካ ምኽአል፡
ወንጌል ማርቆስ ንሎሚ ዝተነበ ፍሉይ ነገር የዘንትወልና። ኢየሱስ አብታ ዝዓበየላ ዓዲ ናዝሬት እትብሃል ምስ አርድእቱ ከይዱ። አብ ዓዲ ምስ አተወ ከም ኩሉ ጽኑዕ አማንይ አይሁዳዊ ብመዓልቲ ሰንበት አብ ቤተ መቕደስ ሰቢኹ። እቶም ዝሰምዕዎ ተገሪሞም። በቲ ዘርአዮ ዓሚቕ ልቦናን ስብከትን ከምኡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ተኣምራታት ዝሰምዕዎ አዝዮም ተደኒቖም።
ወዲ ዓዶም ዝለዝኾነን መን ምዃኑ ብዝያዳ ስለ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ አዝዮም ተደኒቖም። ንሱ ወዲ ዮሴፍ ወዲ ጸራባይ ወዲ ማርያም እንድዩ አሕዋቱ አብ መንጎና ዘለዉ ዘይኮኑን እዚ እቲ እንፈልጦ ዘይኮነንን እናበሉ አዝዮም ተገሪሞም። አብ ሓደ ከባቢ ምስኦም ዓብዩ። ከም ዝፈልጥዎ ስለ ዝሓሰቡ ክቕበልዎ ጸጊምዎም። ንሶም ነቲ ብግዙፍ ዝርኣይዎ ወዲ ዓዶም ጥራሕ እዮም ዝርእዩ ዘለዉ ነቲ ዝብሎን መን ምዃኑን ክፈልጡ አይክኣሉን። አፍልጥኦም ብዛዕብኡ እቲ ንእሽቶይ እንከሎ ምስኦም ዝነበረ ጥራሕ እዮም ዘኪሮም። ነዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ክርእዩ አይክኣሉን።
ብዙሓት ሰባት አብ ሕብረተ ሰብ ተመሳሳላይ ነገራት ብዛዕባ አፍልጦ ኢየሱስ የርእዩ። ነቲ ዘልኦም አፍልጦ ዝለዓለ ገሮም ስለ ዝሓስቡ ካልእ ብዛዕባ ኢየሱስ ክፈልጡ ዘየድልዮም ገሮም ይሓስቡ። እንተኾነ ንሶም ዝነጽግዎ ዘለዉ እቲ ሓቀኛ ኢየሱስ ወንጌል ብዛዕብኡ ዝነገረና ዘይኮነስ ነቲ ግጉይ ሓሳባት አብ ውሽጦም ዝርከብ አብ ርድኢቶም ጥራሕ ዝተመስረተ አፍልጦ ኢየሱስ እዮም ዝንቕበሉ ዘለዉ። አምላኽነት ኢየሱስ ክርእዩ አይከአሉን። ኢየሱስ ንአኦም ማንም ሰብ እዩ።
ንሓደ ነገር ኩሉ ጊዜ ንርእዮ እንተኾና ናቱ ጥቕምን ጹቡቕን ክነለሊ የጸግመና እዩ። እቶም ደቂ ናዝሬት ንኢየሱስን ንስብከቱን ክቕበሉ አጸጊምዎም ምኽንያቱ በቲ ዝፈልጥዎ ዓዎሮም ካብኡ ንላዕሊ ክርእዩ አይከአሉን። ብኻልእ አዘራርባ ንሓደ ነገር ኩሉ ጊዜ ንፈልጦ እንተኾና ክነጽጎ ወይ ጥቕሙ ከየስተውዓልና ኽሓልፈና ቀሊል እዩ፥ “ኩሉ ጊዜ እትራያ ወርኅስ አይድምቕትን” ይብሃል። ዘይምግዳስ ዘይምስማዕ ኩሉ ብቐሊል የጥቅዓና። እንተኾነ ጊዜ ሂብና እንተ ሓሰብና ነቲ ኩሉ ጊዜ እንረኽቦ ጥቕምን ሰናይ ነገር ክነስተማቕር ንኽእል።
ካብ ደቂ ናዝሬት ዝተፈለና አይኮናን። ብዙሕ ጊዜ ከምቲ ንኣኣቶም ዝገጠሞም ክገጥመና ይኽእል እዩ። እግዚአብሔር ደጋጊሙ ይዛረበና እዩ፥ በቶም እንፈልጦም ሰባት ገሩ፥ በቲ አብ ሕይወትና ዝገጥመና ገሩ፥ በቲ አብ ግላዊ ሕይወትን ዝገጥመና፥ ኩነታትና ገሩ ይዛረበና። ደጋጊምና ነቲ ድምጺ ነቲ መልእኽቲ አይንሰምዖን ኢና ምኽንያቱ በቲ ኩሉ ጊዜ እንርእዮን ጽቡቕ ገርና እንፈልጦን ገሩ ስለ ዝዛረበና፥ ወይ ገለ እዋን ብዘይንፈትዎ ገሩ ወይ ብሓደ ጭሪሽና ዘይንፈልጦ ጓና ገሩ ስለ ዝዛረበና አይነለልዮን ኢና።
ዓዊሮም ከለልይዎ ክቕበልዎ ስለ ዘይደለዩ ኢየሱስ አብ ናዝሬት ካብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ሓንቲ አይገበረን። ክንደይ ጊዜ ኾን ንሓና እውን ንኣምላኽ አብ ሕይወትና ከይአቱ ከልኪልናዮ ንኸውን ወይ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ናይ ምሕረት ጸጋ አብ ሕይወትና ከይወርድ ከልኪልና ንኸውን። ንአምላኽ አብ ፍሉይ ኩነታትን ብፍሉያት ሰባት ገሩ ክዛረበና እንከሎ ልብና ንዓጽወሉ። እንተኾነ አምላኽ በዚ ሰብ ወይ በዚ ኩነታት እዩ ዝዛረበና።
ኢየሱስ አብ ልዕሊ ደቂ ዓዱ ዘሕዝን ፍርዲ ይዛረብ፥ “ነቢይ አብ ዓዱ ጥራሕ እዩ ዝጽላእ አብ መንጎ ቤተሰብ አብ ቤቱን ጥራሕ እዩ ዝንጸግ” እናበለ ተዛሪቡ። አብ ካልእ ቦታታት ብዙሓት ንኢየሱስ ብልቢ ብዓቢ ክብርን ፍቕርን አብ ጎኑ እናቐረብዎን ንዝብሎ ቃላት ክሰምዑ እናተደፋፍኡ እንከለዉ እናተቐበልዎ እንከለዉ ደቂ ዓዱን ኣዝማዱን ግን ዋጋ አይሃብዎን።
ኢየሱስ ብዝተፈላለየ መገዲ ክመጽአና እንከሎ ክንቅበሎ ክንሰምዖ ከምዝግብኣና ዘዘኻኽር ብዙሕ መልእኽትታት ካብ አምላኽ አብ ሕይወትና ይገጥመና እዩ። ዘንጊዕና ከሎና ኢየሱስ ብጥቓና ከይሓልፍ ሎሚ ልብና ንሃቦ እሞ አብ ልበይ አብ ኩሉ ሕይወተይ እቶ ኢልና ነፍቅደሉ። ጽጉም ሓውናን ሓፍትናን መልክዕ ኢየሱስ ለቢሶም ክመጹና ከለው ክንቅበሎም ክንሰምዖም ከሎና አብ ሕይወትና ንኢየሱስ ተቐቢልናዮ አሎና ማለት እዩ። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ንኢየሱስ ከይንቅበልን ከይንሰምዕን ዝፈታተኑና ነገራት ብዙሓት ምዃኖም ክንዝንግዕ የብልናን። ንኢየሱስ አብ ገዛና አብ ሕብረተ ሰብና ክንሕድር ክንከፍሎ ዝግብኣና ብዙሕ እዩ። ንወንጌል ክንምስክር ዕጫና መስቀል ስቓይ ሞት እዩ። መምህርና ክርስቶስ ነዚ እዩ አውሪሱና። እምብአር፡
ናይ ክርስቶስ ልኡኽ (ነቢ) ዕጫ ዘሓጉስ አይኮነን፡
ኩሎም አብ ቦታ ነብያት፥ አብ ቦታ ሓዋርያት ዝዓዩ ክፈልጥዎን ክሰናደዉሉን ዘለዎም ጉዳይ እዩ። ነቢ ወይ ሓዋርያ ዝብሃል ብአምላኽ ንመልእኽቱ ከብጽሕ ዝተሓርየ እዩ፥ ንህዝቢ ቃል አምላኽ ክቕበሉ፥ ሕይወቶም ክቕይሩ ዝነግሮም አብ ሓቅን ፍቕርን ሕይወቶም ክምስርቱ ዝነገር እዩ። ንኣምላኽ ብቃሉ አብ መንጎ ህዝቢ ከምዝነብር ዝገብር እዩ።
አብ ዝሓለፈ ታሪኽ አብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ይኹን አብ እዋን ክርስትና ካብ መጀመርያ ክሳብ መጨረሽታ እንተ ረኤና ኩሎም መልእኽቲ አምላኽ ዘብጽሑ ብተቓውሞን ምንጻግን ከምኡ ብምጽላእን አብ ገለ እዋን ብቅትለት እዮም ሓሊፎሞ። አብ ሕዝቅኤል ነብይ አብ 2፡2~5 እንተ አንበብና ንህዝቢ መልእኽቲ አምላኽ ክነግረ ከም ዝተሓርየ አምላኽ አብ ጉዕዞ ምብጻሕ መልእኽቱ ድሓን ዝኾነ ጉዕዞ ከምዘይጉዓዝ አይነገሮን። “አብ እስራኤላውያን አብቶም ዓለውትን ገጾም ካባይ ዝኸወሉ፥ አብቶም ደረቐኛታትን ንኣይ ዘየኽብሩን ሕዝቢ እሰደካ አሎኹ. . . ነቲ ኹሉ አነ ዝብለካ ኩሉ ንገሮም፥ ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ ሰሚዖም አይሰሚዖም አብ ማእከሎም ነብይ ኸም ዝነበረ ምእንቲ ኺፈልጡ ተዛረቦም” ዝብል ነንብብ።
ዘገርም እም እዩ እዚ መልእኽቲ ንሓቂ፥ ንፍቕሪን፥ ነጻነትን ሰላምን እናጸውዔ እንከሎ ብአንጻሩ ቅርሕንቲ ጽልኢ ዓመጽ ከልዕል እንከሎ። እዚ አብ ኩሉ እዋን ዝርኤ ሓቂ እዩ። አብ ብዙሕ ክፍሊ ዓለምና ቃላት ሓቂ፥ ፍትሒ፥ ነጻነት ሰላም ዝብላ ክተስምዕ ከሎኻ አብ ሓደጋ ንርእስኻ ምውዳቕ ኮይኑ ይርኤ አሎ። ዘገርም ነገር እንተሎ ዳርጋ ዝኾነ ሰብ ነዘን ቃላት ክሰምዕ ይኸብዶ። ብዙሓት ክርርስትያንን ንሓቂ ደው ዝብሉ ሰባት በዘን ቃላት ተዛሪቦም ሕይወቶም ከሕልፉ ተገዲዶም። ንአብነት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተባህለ ጸሊም አመሪካዊ አብ ጊዜ ግልያነት አብ መንጎ ደቂ ሰብ ዓለቶም ብዘየገድስ ማዕርነት ክግበር አልኦ ኢሉ ስለ ዝተንስኤ ተቐቲሉ። ማህተማ ጋንዲ ሂንዱ እንከሎ ዓርኪ አስላም ስለ ዝኾነ ተቐቲሉ። አቡነ ኦስካር ሮሜሮ ዝተባህሉ ንምዝመዛ ድኻታት ስለ ዝኾነኑ ብዓመጽ ተቐቲሎም እዚኦምን ካልኦትን ምእንቲ ፍትሒ ነጻነት መሰል ሰላም ሰባት ሓሊፎም።
ኩልና ነብያት ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና።
አብ ሕይወትና ኩልና ክንዝክሮ ዝግብኣና ጉዳይ እዩ። ነፍስወከፍና ብምኽንነያት ጥምቀትና ነብያት ክንከውን ዝተሓረና ኢና። ንመልእኽቲ ወንጌል ክንዝርግሕን ክንሰብኽን፥ አብ ሓዳርና፥ አብ ስራሕና፥ አብ ኩሉ ሰበኽቲ ክንከውን ጽዉዓት ኢና። ኩነታት ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ ንእምነትና ክንከላኸል ስንድዋት ክንከውን ግቡእና እዩ። ፍቕሪ፥ ፍትሒ፥ ነጻነት፥ መሰላት ሰባት ክንሕሉ ግድን እዩ። አብ ሕይወትና አብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ዘይንኽእል ነገራት አሎ። አብ ገለ እዋን ሱቕ ክንብል ዘይንኽእለሉ እዋናት ይገጥም እዩ። አብ ገለ እዋን ብፍርሒ ወይ ከኣ ነዚ ክገብር ብቑዕ አይኮንኩን እናበልና እነቕርቦ ምኽኒት አሎ። እንተኾነ ቃል ቅዱስ ጳውሎስ መልሲ ክህበና ይኽእል እዩ። ንሱ አብ ሕይወቱ ነቲ ክገብሮ ዝግብኦ ዝዓግቶ ነገር ስለ ዝረአየ ንስብከተ ወንጌል ክሓድጎ ፈተና መጺእዎ። አምላኽ ነዚ ነገር ባዕሉ ሓላፍነት ክወስደሉ ጸልዩን ለሚኑን። ንጸሎቱ ዝተዋህቦ መልሲ ዘገርም እዩ። ናይ አምላኽ ጸጋ ብዝያዳ አብኡ ዘንጸባርቕ አብቲ ድኹም ዝኾነሉ እዋን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን አብ ናይ ርእሱ ብልሓትን ክእለትን ከምዘይምስረት ዘርኢ እዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሉ ድኽመታቱ ይቕበል እሞ ሽዑ ናይ ክርስቶስ ሓይልን ብርሃንን አብኡ ብዝያዳ ተኾሊዑ ይርኤ። “ኃይለይ አብ ድኻም እዩ ዚግለጽ እሞ ጸጋይ ይአኽለካ” በለኒ። ስለዚ ኃይሊ ክርስቶስ አብ ልዕለይ ምእንቲ ኺኃድር ብብዙኅ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብአርከ ምስ ዝደክም ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብጸርፊ፥ ብኃሳር፥ ብስደት ብጸበባ እሕጎስ አሎኹ” (1ቆር 2፡9~10) ይብል። እዚ እዩ ናይ ሓቀኛ ነቢ ድምጺ። ንሱ ተሰባሪ አቕሓ ብመሬት ዝተሰርሐ እዩ።
እምብአር ብድኽመታትና ተስፋ አይንቝረጽ፥ አብ ኩሉ መንፈሳዊ ስነ አእምራዊ ማሕበራዊን አካላውን ሕይወትና ተስፋ ከይቆረጽና ክንጉዓዝ አሎና። አምላኽ ልኡኻቱ መሳርሕቱ ክንከውን ይደሊ። ንሱ አብ ጎንና ኮይኑ ንኹሉ እቲ ዘድልየና ክህበና ፍቓደኛ እዩ። ቤተ ክርስትያንን ትምህርትታታን ብኹሉ ሕብረተ ሰብ ብክፉት ልቢ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ሽዑ ናይ እቲ እነምህሮ ሓቅነት ክንርኢ ኢና።
በዚ መአዳ ቍዱስ ቍርባን አብ መንጎና ክሓድር ዝደሊ ዘሎ ክርስቶስ ሎሚ እውን ብሓዲስ መንፈስ ንቀበሎ ቃሉ ንስማዕ አብ ወንጌሉ አሚና አብ ሕይወትና ንንበሮ። ማርያም ነዚ እታ ቀዳመይቲ አብነትና እያ ንሳ ንአምላኽ ከምዝበልካዮ ይኹን ኢላ ንቃል አምላኽ ወላ እኳ ክትርድኦ አይትኽአል ተቐቢላቶ ንሕና እውን ንምስጢር ወንጌል ብእምነት ክንቅበል ከሎና አምላኽ ምሳና አሎ አሎ ስለዚ ኦ ማርያም አብነትኪ ክንክተል ሓግዝና ንወድኺ ለምንልና ንበላ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.