2012-07-20 16:03:55

ብቤት ምኽሪ ኮሚሽን ኤውሮጳ ዝተዋህበ ሰነድ ፡


ምምሕዳር ቫቲካን ሕጋዊ ዘይኮነ ዝውውር ገንዝብን ገንዘብ ንተግባረ ሽበራ ከይውዕል እተካይዶ ምቁጽጻርን በቲ ማኒቫል ዝተባህለ ኮሚሽን ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ከም ዝተጸንዔን እቲ ኮሚሽን ጸብጻብ ከም ዝሀበን ተፈሊጡ አሎ ።
አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ተቅዋም ምክትል ዋና ሐላፊ ብጹዕ አቡነ ኤቶረ ባለስትረሮ ነቲ ማኒቫል ዝተባህለ ኮሚሽን ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ አተሐሕዛ ገንዘብ ቫቲካን ብዚምልከት ዝሀቦ ጸብጻብ ብዚምልከት አብ ቤት ማሕተም ቫቲካን መግለጺ ሂቦም።
ብፁዕ አቡነ ኤቶረ ባለስተረሪ ከም ዘመልከትዎ ካብቲ ሕጋዊ ዘይኮነ ዝውውር ገንዝብን ንተግባረ ሽበራ ንምግታእ ክውሰድ ዘለዎ ብኤውሮጳ ዝወጸ 16 ነጥብታት ትሽዓተ ነጥብታት አዎንታዊ ነጥቢ ተዋሂብዎ ።
ቅድስት መንበር ምሕደራ ገንዘብ ብዚምልከት አብ ሀገራት ሐቆፍ ደረጃ ክትስራዕ ክትወስዶም ዘለዋ ስጉምትታት ንቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ከተርድእ ብእኦም ዝምራሕ ልዑካን ንስትራስበርግ ተጓዒዙ ከም ዝነበረ ጠቂሶም ነዚ ጉኣይ”ዚ ብዚምልከት ብርቱዕ ስራሕ ተረኢፉ ከም ዘሎ ከም ዝርድኡን ነዚ ክዉን ንምግባር ተገኢሆም ከም ዝጽሩን ነቶም አብ ቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።
ምትሕልላፍ ሕጋዊ ዘይኮነ ገንዝብን ፡ ንተግባረ ሽበራ ዝውዕል ፋይናንስን ንምግታእ ብኤውሮጳ ዝተሐንጸጸ መምርሕን ሕግን ክኽበርን ክድገፍን ዘለዎ ጉዳይ ስለዝኾነ ቫቲካን ገንዘብ ብዚምልከት ንጹር መስርሕ ከም ትከታተል ብጹዕ አቡነ ኤቶረ ባልሰትርየሪ አገንዚቦም።
ናይ ቫቲካን ናይ ፋይናንስ ተቅዋማትን IOR ባንክ ቫቲካንን ገንዘብ ብዚምልከት ቁጽጽርን ግልጽነትን ከርኢ ሃገራት ሐቆፍ ደረጃ ዝሐለወ ክኽውን ከም ዝትሐተን ክዝከር ከሎ ፡ ነዚ ንምምላእ ጻዕሪ ይካየድ ከም ዘሎ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ተቅዋም ምኽትል ሐላፊ ብጹዕ አቡነ ኤቶረ ባለስትረሪ አገንዚቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.