2012-07-19 15:03:41

ጋና፦ ናይ ኣክራ ሊቀ ጳጳሳት፣ “ምግባረ ብልሽውናን ዘይሕጋውነትን ምውጋእ”


ኣብ ጋና ዝርጋሔ ምግባረ ብልሽውናን ዘይሕጋውነትን ካብ ቅጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ፣ ናይ ኣክራ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ጋብሪኤል ፓልመር ቡክለ ገሊጾም፣ እዚ ከም RealAudioMP3 ሕማም ተላገብ ዝሰፍሕ መንሽሮ ቢሎም ዝገለጽዎ ምግባረ ብልሽውናን ዘይሕጋውነትን ኣብ ኩሉ መዳያት ሕብረተሰብ እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎን ጠቒሶም ማሕበረ ክርስትያን ብውልቃውን ብማሕበራውን ወንጌላዊ ሕይወት ኣቢሎም ክቃወምዎ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘተሓሳሰቡ ጂና እተሰምያ ናይ ጋና ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ።
ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ኣብ መንግሥትን ኣብ ኃይሊ ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ዕዳጋን ንግድን እናሰፍሔ፣ ግቡእካን ሓላፍነትካን ከይፈጸምካ ምትላል ከም ብልሓት እናተሓስበ፣ ቅጥፈትን ምጥፍፋእን ምትላላትን ዘተባብዕ ዘይሕጋውነትን ምግባረ ብልሽውናን ሓኻይም መምሃራን ሓይሊ ጸጥታ ክእመኑ ዘይከኣሉ ክኾኑ ግየሩን፣ ነጋዶ ዘቕርብዎ ምህርቲ ጊዜ ዝሓለፎ ክነሱ ዝወደቐሉ ዕለት እናሓኸኽካ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ዜጋታት ዝህልዎ ሳዕቤን ብዘየገድ ንመሸጣ ብምቕራብ ዝፍጸምዎ ዘለዎ ገበን ክውገድ ማሕበረ ክርስትያን ነቲ ምዕባለ ሃገርን ሕዝብን ዝተዓናቕፍ ምግባረ ብልሽውናን ዘይሕጋውነትን ብመሰረት ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ክቃወምዎ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ጂና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ክርስትያን ክርስቶስ ብምብሳር ተኸላኻልን ኣኽባርን ሓቂ ዝኾነ መጻኢኡ ብሩህ ክኸውን ዝተግህ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ዝብገስን ዝነብርን ነቢይ እዩ እሞ ከም ክርስቶስ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኮይኑ ፍትሒ ዝእውጅን ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኩማሲ ልሒቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፒተር ክዋሲ ሳርፖንግ ነቲ ዕለት 7ን ዕለት 28 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፣ ሕዝባዊ መረጻ ዓሌታውነትን ወገናውነትን ቂመ በቀልን ዝይንጸባረቐሉ ከይከውን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ድምጺ ጥራሕ ይረኸብ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ክላቐቑ ከምዘተሓሳሰቡ ጂና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.