2012-07-19 14:59:46

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ናይ ኣፍሮ-ኣመሪካውያን ባህሊ ክቡራት ወግዕታት ብዑምቀት ክልለይ”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ፊርማ ዝተነብሮ “ናይ ኣፍሮ-ኣመሪካውያን ባህሊ ክቡራት ወግዕታት ብዑምቀት ክልለይ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘመእከለ መልእኽቲ ናብ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ብፁዓን ጳጳሳት RealAudioMP3 ቤት ምኽሪ ናይ ኣፍሮ-ኣመሪካውያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ሓለፈቲ ኣብ ኤኳዶር ከተማ ጓያኪላ ክሳብ ጽባሕ ዕለት 20 ሓምለ 2012 ዓ.ም. ናብ ዘካይዶ ዘሎ ጠቕላሊ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፣ ቅዱስንቶም ናብቲ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ትምህርትን ባህልን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ-መንበር ናይ ፓናማ ሓጋዚ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓብሎ ቫረላ ሰርቨር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ ኣፍሮ ኣመሪካን ካራይብን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣማእኪሉ ዝካየድ ጉባኤ “ኣብቲ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ወትሩ እቲ ናይ ሰብኣዊ ዓሚቝ ሕቶታቱ ሓቀይና መልሲ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ብዝበለጸ ንምቕራብ መታን ክትኽእል እቲ ስጋ ለቢሱ ናባና ዝወረደ ቓል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባህልታት ዘንበሮ በመቈልን ዘርእን ፍርያማ መታን ክኸውን ናብ መገዲ ወንጌል ንኸብሉን ክነጽሑን ክምዕብሉን ብዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ክምርሑ መታን ናይ ኣፍሮ-ኣመሪካውያን ባህላውን ታሪኻውን ያታውን ክቡራት ወግዕታቱ ከዕሙቑን ከስተንትኑን” ኣብ ኣፓረሲዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ብፁዓን ጳጳሳት ሓምሻይ ጠቕላሊ ጉባኤ ተረኺቦም ዕለት 13 ግንቦት 2007 ዓ.ም. ኣብ ዝቕረብዎ ሥልጣናዊ መርሕ ቃል ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ደጊሞም ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ኣብቲ “ናይ ኣፍሮ-ኣመሪካን ካራይብን ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ናይ ኣፓረሲዳ ሰነድን ብድሆታትን ተስፋታትን ንቤተ ክርስትያንን ሕብረተሰብን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ካብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ናይ ኣፍሮ-ኣመሪካውያን ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉን ብጠቕላላ 250 ተግባእያን ይሳተፉ ከምዘለዉ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ኣፍሮ-ኣመሪካውያን ብስፍሓት ኣብ ኮሎምቢያን ብራዚልን ቨነዝዌላን ኮስታ ሪካን ሆንድራስን ሃይትን ኒካራጓን ጓተማላን በሊዘን ፐሩን መክሲኮን ከምዝርከቡን፣ ንዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ንምዝታይ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ 1980 ዓ.ም. ካብ ኮሎምቢያን ኤኳዶርን ዝተዋጽኡ ተግባእያን ጥራሕ ዘሳተፈ ኣብ ኮሎምቢያ ካብ ዝብገስ ንነጀው በቢ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ ብተሳተፍቲ ሃገራት ላቲን ኣምሪካን ካራይብን ክብ እናበለ ከምዝኸደ ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ነቶም ናይ ኣፍሪቃ መበቆል ዘለዎ ዜጋታት ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ዝኣመተ እትቕርቦ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ዘድምዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ኣብቲ ነቶም ብዙሕ ጊዜ ሰማዒ ዘርይረኽቡን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ዘተኰረ ዘወፍይዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ተሓባበርቶምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከምዝመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.