2012-07-17 14:24:29

ጸኣት ስደተይናታት


ኢጣሊያ ንብዙሓት ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ከም ሸቶን ወይ ድማ ከም መተሓላልፊ ከምዝኾነት ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ጁሊዮ ተርዚ ከምዝገለጹን ኣብዚ ናይ ሓጋይ እዋን RealAudioMP3 ብዙሓት ስደተይናታት ብጉዕዞ ባሕሪ ክውሕዙ ከምዝኽእሉ የመልክቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ግብጻውያንን ፍልስጥኤማውያን ዜጋታት ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 127 ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ ገምገብ ባሕሪ ፑሊያ ከምዝኣተዉን ብናይ ኢጣሊያ ሓላዊ ጸጥታ ገማግም ባሕሪ ሓይሊ ሕጹጽ ረድኤት ከምዝቐረበሎምን ካብቶም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ሸውዓተ ድማ ናብ ቤት ሕክምና ከምእተወስዱ ተገሊጹ።
ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሜነኦ ክቡር በዓል 2012 ዓ.ም. ናይ ሜዲትራኒያን ኣሕዛብ ባህላዊ መደብ ይካየድ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብቲ ዝተፈላለዩ ዓወደ መጽናዕታት ዝካየደሉ መደብ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ሕጹጽ ጉዳይ ዝምልከት ኮሚቴ ኣቦ መንበር ሉካ ኦደቫይነ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ለብዘበን 2012 ዓ.ም. ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ጸኣት ስደተይናታት ብዙሕ ዘይተረኣየሉ ዓመት ምዃኑ ገሊጾም፣ ካበይ መን ምዃኑ ብዘየገድስ ስደተይና ምእንጋድ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሓቶ ግቡእነትን ግዴታን እዩ። ኰይኑ ግን እቶም ስደተይናታት ከከም ጉዳዮም ርኢኻ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ሓላፍነት ናይ ዝተኣንገድሉ ሃገር እውን እንተኾነ ዓለምለኻዊ ፍታሕ ዘድልዮ ማሕበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን ኤኮኖምያውን ሕቶ እዩ። ካብ ግብጽን ፍልስጥኤምን ሕጂ ድማ ሶሪያን ዝመጹ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ብዝሒ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን እቶም ካብ ሊቢያ ዝመጹ ድማ ዜጋታት ናይጀሪያን ሶማልያን ኤርትራን እዮም፣ ኣብ ሊቢያ ዝነብር ስደተይና የልቦን ክበሃል ይከኣል ኢሎም።
ኢጣሊያ ኤውሮጳን ሰሜን ኣፍሪቃን እተራኽብ ሃገር ብምዃና ነቲ ብድሆ ጸኣት ስደተይናታት ብኵለ መዳያዊ ገጢማ ብቑዕ መልሲ ክትህበሉ ናይ ኤውሮጳ ሓገዝ የድልያ፣ እቶም ስደተይናታት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ክኽበረሎምን ብቑዕ ሰብኣውን ሞያውን ሕንጸት ረኺቦም ሕይወቶም ኣብ ምምራሕ ክነጥፉ ድጋፍ ክቐርበሎም ይግባእ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.