2012-07-17 14:18:59

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ዘይዝሁም ጸሎት ሕመረት ተሓድሶ እዩ”


ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 450 ዓመት ምስረታ ገዳመ ቅዱስ ኾሴ ኣብ ስፐይን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ናይ ኣቪላ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኸሱስ ግራሲያ ቡሪሎ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ዘይዝሁም ጸሎት ሕመረት ተሓድሶ እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም፣ RealAudioMP3 ቅድስቲ ተረዛ ዘ ኣቪላ ከም ኵሎም ቅዱሳን ብትሕትና ጐይታ “ናይ ትምኒታን ተግባራን ቀንዲ ተዋሳኢ ክኸውን ዝፈቐደትን ዝተቐበለቶን” ምዃና ገሊጾም፣ “ሎሚ ከም ትማሊ ተኣማኒ ጸሎት ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ሕመረት እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቶም “ተመራሒ ብኽርስቶስ ምዃን ዝከኣል ነቶም ጽዑቕ ናይ ጸሎት ሕይወት ንዝነብሩ ጥራህ እዩ። እዚ ድማ ገዳመ ቀርሜሎስ ሕዳሴ ካብ ጸሎትን ካብ ጸሎት ዝተወልደን ናብ ጸሎት ዘዘንበለን እዩ። ቅድስቲ ተረዛ ዘ ኣቪላ ኣብ ቅድሚ’ቲ ከምዘፍቅረና እንፈልጦ እግዚኣብሔር ዕርክነቱ ንኸነናድይ ትምህረና” እንክብሉ ኣብቲ ዝኽሪ መበል 450 ዓመት ምስረታ ማሕበር ገዳማውያን ‘ኣጋር ቀርሜሎሳውያን’ ምስ ኵሎም ቀርሜሎሳውያንን ሰበኻ ኣቪላን መንፈሳውያን ነጋዶን ሓቢሮም፣ ብመንፈስ ተሳታፍነቶም ብምርግጋጽ፣ “ብዙሓት ኣብ መንፈሳውነት ቅድስቲ ተረዛ ዘ ኣቪላ ነቲ ንዘርኢ ሰብ ናብ ሓቀይና ናይ ሕይወት ሕዳሴ ዝመርሕ ክርስቶስ ነኸለልዩን ምሳኡ ንኽራኸቡን ዘተኣማምን ብርሃን ክረኽቡ ከምዝኽኣሉን፣ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ንኽረጋገጽ ዝድግፍ ሓድሽ ናይ ሕይወት ኣገባብ ከምዘነቓቐሔትን፣ ብዘይዝሁምነትን ብዘይቅህም ውዕዉዕ መንፈስ ካብ ዝሕታለ ኣዚዩ ብዝረሓቐ ኣገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝፍፈጸመት ቅድስቲ እያ” እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅድስቲ ተረዛ ነዚ ዅሉ ዝፈጸመቶ “መንፈሳዊ ልዑል ክብሪ ዘለዎ ደረጃ ክቡርነቱ ኣዚዩ ኣብ ዝተዘንገዓሉን ብዙሕ ቆላሕታ ኣብ ዘይግበረሉን፣ ትሑት ተገይሩ ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን ምዃኑ” ተንቲኖም “እዚ ድማ እቲ መንፈሳውነት ቅድስቲ ተረዛ ዘ ኣቪላ እዋናውነቱ ክሳብ ክንደይ ልዑል ምዃኑ የገንዝበና፣ ስለዚህ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ብውልቃዊ ጸሎት ልባቶም ከሕድሱ ዝዕድም እዩ። ሎሚ ውልቃውን ቤተ ክርስትያናውን ሕዳሴ ካብ ንኽርስቶስ ምምሳል ተግባር ዝምንጭው እዩ። ካብዚ ዓይነት ሕይወት ድማ እታ ህያውን ውህደትን ዘለዋ ማሕበረ ክርስትያን ትውለድ” ኢሎም።
ቅዱስነቶም ምእንቲ ኣብ ወንጌልን ዝተመስረተ ስዳር ቤትን ጸዋዕታን ኩሉ ክጽሊ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ “ናይ ምናኔን ንእግዚኣብሔር ዝውፈይን ብስሉጥነትን ብሰቂለ ሕሊናን ዝግለጽ ሕይወት ዘለዎ ውበት ንቤተ ክርስትይን ዘሰንይ ዋሕዚ ጸጋ ክቡር ዑንቈ ንዝኾነ ባህሊ ቀዳምነት ዝህብ ንጸዋዕታ ዘሕይል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ እዩ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣመሓላሊፎም ኩሎም ኣብ ጸሎቶም ዝኩራት ምዃኖም ብምርግጋጽ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.