2012-07-14 14:48:37

ኢጣሊያ፥ ካቶሊካውያን ምእመናንን ፖለቲካን


ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ናይ ሃገሮም ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕይወት ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦን ንናይ ሓባር ጥቅሚ ዘሳልጥዎ ኵለ መዳያዊ ወፈራ ዝነኣድ ምዃኑ ኵሉ ዝምስክሮ ሓቂ ከምዝኾነ፣ RealAudioMP3 ዝተፈላለያ ካቶሊካውነት መለለዪ ዘለወን ማሕበራትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መደብ መበል 47 ብሔራዊ ሓቆፍ ናይ ካቶሊካውያን ኢጣሊያ ማሕበራዊ ሰሙን ነቲ ሓቂ ንምምስካርን ተራ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ብምርግጋጽ ስድህስስ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ናይ ማሕበራዊ ሰሙን ኣቦ ወንበርን ናይቲ ኣብ ቶሪኖ ዝካየድ መበል 47 ጉባኤ ናይ ኢጣሊያ ናይ ማሕበራዊ ሰሙን ኣሰናዳኢ ድርገት ዋና ጸሓፊ ሉካ ፓትሪያርካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ እቲ መበል 47 ጉባኤ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ረጆ ካላብሪያ ዝተኻየደ ዝስዕብ ምዃኑን ስድራ ቤት ናይ ሕይወት ሃገር መስፈርን ሓባሪ ኩነት ሃገርን እዩ።
እቲ ብሔራዊ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊክ ማሕበራዊ ሰሙን፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ናይ ሓባር ጥቅሚ ዘለዎም ተሳትፎ ንምጥርናፍን በዚ ከይዲ’ዚ ክራኸቡን ብሓደ ኮይኖም ጥቕሚ ሃገር እንታይ ማለት ምዃኑ ዘስተንትንሉ ጉባኤ እዩ። ብትሕትና ይብሉ ፓትሪያርካ ሎሚ እውን ኢጣሊያ ኣብ ካቶሊካውያን ምእመናን ዜጋታታ ክትተኣማመን ከምእትኽእል ብትሕትና ከረጋግጽ እፈቱ ኢሎም።
እቲ ኣብ ረጆ ካላብሪያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ማሕበራዊ ሰሙን ዘውጽኦ ሰነድን በታ ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተጸኒዑ ዝጸደቐ ብምዃኑ ድማ ናይታ ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰነድ እዩ። ስራሕን ቤት ትምህርትን ጽንበራን (ኵሉ ዝጥርንፍ ማንም ንጹል ዘይኮነሉ ሕብረተሰብ) ማሕበራዊ ምንቅስቓስን መናብርተ ጥበብን ሕዳሴ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ስርዓት ኣብ ዝብሉ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኣርእስታት ዝተኸፍለ መዃኑን ዘኪሮም፣ እቲ ሰነድን ዝዘተየሎም ሓሳባትን ዘቕረቦ ርእይቶን እዋናዊ እዩ። ናይ ኢጣሊያ ባህሊ ኣብ ካቶሊካዊ ባህሊ ዝተሰርተ ምዃኑን ሕዝቢ ነዚ ባህሊ’ዚ ክዕቅብን እዚ ድማ ወንጌላዊ ሕይወት ማለት ምዃኑ ገሊጾም፣ እምነትና ብዕለታዊ ሰብኣዊ ሕይወት ክስፈር ኣለዎ ቢሎም፣ ምእመናን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘለዎም ግደ ዝነኣድ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓላፍነት እውን እዩ፣ ስለዚህ ኣቲ ግደ ተጠራኒፉ ክኸይድ ኣለዎ ኣንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.