2012-07-14 14:47:02

ናይ ኣፍሪቃ ደቂንስትዮ ኤኮኖሚያዊ መጋባእያ


ኣብ ናይጀሪያ ከተማ ለጎስ “New Faces New Voices (Nfnv)-ሓድሽ ገጻትን ድምጽታትን” እተሰምየ ማሕበርን ንናይ ኣፍሪቃ ምዕባለ ሓልዮ ባንክ ቤት ብምትሕብባር ዝተዳለው RealAudioMP3 “ምስ ኣፍሪቃውያን ደቂንስትዮ መጻኢ ምውሓስ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ካልኣይ መጋባእያ ዛዕባ ኤኮኖሚ ኣፍሪቃውያን ደቂንስትዮ ይካየድ ከምዘሎ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣዚ ኣብ ኵለ መዳያዊ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ኤኮኖሚ እቲ ብዙሕ ቆላሕታ ዘይግበረሉ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ዝኽእል ዓቕምን ብቕዓትን ደቂንስትዮ ቆላሕታ ክግበረሉን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዘድልዩ መገድታት ዘመልክት መጋባእያ ምዃኑ ዝሓበር ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ንብሩህ መጻእን ንናይ ኣፍሪቃ ምዕባለን ኣብ ደቂንስትዮ ኣፍሪቃ ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር ዝብል ኣመለኻኽታ ዘድምዕን ነዚ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መልክዑ ብኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ብምርግጋጽ ዘተባብዕ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ተዋፊረን ዝዓያ ሰብ ትካላት ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ደቂንስትዮ ኣብ መዳይ ኤኮኖሚ ኣገልግሎተን መሐየልን መተባብዕን ናይ ክልተ ዓመት መደብ መሳለጢ ናይ ገንዘብ ሚዛን ካብ ሰራሊዮንን ቡርኪናፋሶን ተበጊሱ ክዋፈር ምዃኑ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.