2012-07-14 14:40:59

ቫቲካን፦ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ዓለማውያን ምእመናን ጉባኤ


ካብ ዕለት 4 መስከረም ክሳብ ዕለት 9 መስከረም 2012 ዓ.ም. ኣብ ካመሩን ርእሰ ከተማ ያውንደ “ንስኻቱኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም፥ … ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም…(ማቴ. ምዕ 5. 13-14)” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ናይ ዓለማውያን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ በቢ ዓመቱ ብዘዳልዎ RealAudioMP3 ክፍሊ ብሔራውን ከፍለ ዓለማውን ዓለም ለኻውን መደባት ጉባኤ መሰረት ናይ መላእ ኣፍሪቃ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓለማውያን ምእመናን ጉባኤ ከምዘዳለወ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ሓልዮ ዓለማውያን ምእመናን ዘውጽእ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓለማውያን ምእመናን ጉባኤ ኣብ ያውንዴ ዝርከብ ኣብ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ መጋበእያ ዝካየድ ምዃኑን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንኽካየድ ዘተባበዖ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ መጋቢት 2009 ዓ.ም. ኣብ ካመሩንን ኣንጐላን ከምኡ እውን እቲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ በኒን “Africae Munus-ኣፍሪቃዊ መብጽዓ” ዘርእስቱ ድሕረ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ኣፍሪቃ ኣትርከብ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኽረክቡ ዘካየድዎ መበል 22 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ምዃኑ ዘመልከተ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ዓለማውያን ምእመናን መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ጉባኤ እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብሓባር ምስታ ኣብ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝጐዓዝ ምዃኑ ዘረጋግጽን፣ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ከባቢኦም ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቢሎም ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ንቝሓት ኣባላት ክዀኑን ኣብ እዋናዊት ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ክምስክሩ ንኸተባብዕን ንኽድግፍ ኣሚቱ ዝተዳልዎ ምዃኑ የነጽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.