2012-07-12 14:04:51

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ


ኣብ ወርሒ ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ናይ ታንዛኒያ ርእሰ ከተማ ዳር ኤል ሳላም ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይት ምኽሪ ጉባኤን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ብምትሕብባር ዝተዳልወ ባህልን ምዕባለን ኣብ ኣፍሪቃ ዘርእስቱ መጋባእያ ክካይድ ክምእተወሰነ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታትን ብድሆታት ኣፍሪቃን ብባህልን ልምዓትን መሰረት ቀሪቢ ዝምልከት መጋባእያ ከምዝኸነ የመልክት።
ነዚ ክካይድ ተወሲኑ ዘሎ መጋባእያ መሰናደዊ ብናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ምኽትል ሊቀ መንበር ናይ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ተዮዶረ ኣድሪየን ሳርን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ባርተለምይ ኣዱኮኑ ብናይ ሓባር ኣቦ ወንበርነት እትምራሕ ዝቖመ ኰሚቴ መርሕነት ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ሓምለ 2012 ዓ.ም. ኣብ ኣቢጃን ነቲ ናይ ዳር ኤል ሳላም መጋባእያ ንምስንዳው ኣብ ዘካይዶ ቀዳማይ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮዘ ማድታ “ኣፍሪቃ ካብቲ ወዲቓትሉ ዘላ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዓሌታዊ ውግኣትን፣ ብኵራት ምዕባለን ክትላቐቕ ብርቱዕን ልዑል ድልየት/ህንጥይና ናይ ግድን ክህልዋ ይግባእ፣ ባህልን ምዕባለን ንደቂ ኣፍሪቃ ረብሓን ብልጽግናን ወሳኒ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ “ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ዘለወን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዓሌታዊ ምስሕሓባትን ምስ ዝሑል ውግእ ዝተኣሳሰሩ ናይ ተቓውሞን ምፍሕፋሕን ፖለቲካዊ ስነ ሓሳባት ኣብ ኣፍሪቃ ምዕባለ ከይረጋገጽ ዝድርዅ ምኽንያት ቢሎም ጠቒሶም፣ ናይ ብሔር ጉዳይን ዓለም ሓቆፍ ደገፋትን ብግቡእን ብቕዓትን ብፍትሕን ዘይምምሕዳር ናይ ኣፍሪቃዊ ዜጋ ዕለታዊ ናብራ ንታሕቲ ከንቆልቁል ከምዝድርኽን እዚ ድማ ዝሕታለ ምዕባለ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ባህሊ ሕቶ ምዃኑ ኢዩ ዘነጽር። ስለዚ ምዕባለን ባህልን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መጋባእያ፥ ምዕባለ ብሓቂ ብርቱዕን ልዑል ድልየት/ህንጥይና ምዃኑ ዝሕብርን እዚ ስሉጥ መታን ክኸውን ድማ ብብርሃን ወንጌል ክምራሕ ኣለዎ። ባህልን ምዕባለን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ እታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኣፍሪቃውያን ናይ ስነ ባህሊ ሊቃውንትን ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ዘነቓቕሕ እውን እዩ” ከምዝበሉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.