2012-07-07 13:43:04

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ክርስትያን ወለንተይናታት ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዝፍጸመሉ ቦታ መሰኻኽር ፍቕሪ ክርስቶስ እዮም”


ምእንቲ እቶም ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዝፍጸመሉ ከባብታት መሰኻኽር ፍቕሪ ክርስቶስ ዝኾኑ ክርስትያን ወለንተይናታት ክጽለ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምትሕስሳብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፣ መሠረታዊ ትርጉሙ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ማሓበር ሳሊዛውያን መንፈሳዊ ተልእኾ ዝኽተሉ RealAudioMP3 ለም ሓቆፍ ማሕበር ወለንተይናታት ሓልዮ ምዕባለ ሓላፊ ሪካርዶ ጃኖታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቀዳማይ ዕላማ ልኡካን ወለንተይናታት ናይ ሓልዮት መሰኻኽር ዝብል ካብቲ ንዋታዊ ሓገዝ ምቕራብ ዝበረኸ ምትሕብባር ብተግባር ዝፍጽም እዩ። ኩሉ ኣብ ምዕባለ ተዋሳእን ናይ ምዕባለ ተጠቃምን መታን ክኸውን ሓገዝ ብምስክርነት ፍቕሪ ክርስቶስ ብቓልን ሕይወትን ኣሰይንዩ ዘቕርብ እዩ ኢሎም።
እቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ወለንተይናታት ሓልዮ ምዕባለ ኣብ 40 ሃገራት፣ ኣብ ላቲን እመሪካን ኣፍሪቃን እስያን ካራይብን ዘገልግል ምዃኑን፣ ማሕበር ሳሊዝያን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልኡካነ ወንጌል ስለ ዘለውዎ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ወለንተይናታት ሓልዮ ምዕባለ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣገልግሎት ከቕርብ ዕድል ፈጢርሉ እዩ። ልክዕ ከም ማሕበር ደቂ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ኣብ መደብ ሕንጸትን ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ናይ ቀለምን ሙያውን ሕንጸት ብምቕራብ ናይ ገዛእ ርእሶም ምዕባለ ወነንትን ኣካየድትን መታን ክኾኑ ዘገልግል እዩ። ኵሉ ናይ ምዕባለ ተጠቃሚ መታን ክኸውን ገዛእ ርእሱ ናይ ምዕባለ በዓል ቤት ክኸውን ይግባእ። መጻኢ በዚ መገዲ’ዚ እዩ ድማ ብሩህ ኮይኑ ክሕነጽ ዝከኣል። እተዘይኰይኑ ወትሩ ተመጽዋቲ ኰይንካ ካብ ምንባር ክትላቐቕ ኣሸጋሪ እዩ። ርእሰ ብቕዓት ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ኣገልግሎት ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ወለንተይናታት ሓልዮ ምዕባለ ኣብቲ ናይ ክርስትና እምነት ዝኣተወሉን ዝሰፍሓሉን ከባቢ ብቐሊሉ ዝቐርብ ኰይኑ ይርከብ፣ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ፓኪስታን ማኅበረ ክርስትያን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብምዃኖም፣ እቲ ዘጋጥም ብድሆ ፍልይ ዝበለ ይኸውን፣ ስለምታይ ምስክርነት በዓይኒ ተጻብኦ ስለ ዝጥመት እዩ። ኣባላት ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ወለንተይናታት ሓልዮ ምዕባለ ድሕሪ እቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ፓኪስታን ዝተኸስተ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ዝናም ተዋፊሮም ኣገልግሎት ምቕራብ ካብ ዝጅምሩ ንነጀው ተቐባልነቶም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ እናበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ብፍላይ በተራ ዜጋታት፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውሁዳን ማሕበር ክርስትያን ፓኪስታን ሰላማዊ ናብራ፣ ዓቢ ሓገዝ ኮይኑ ብተጻብኦ ካብ ዝጥመተሉ ሓደጋ ቐስ ብቐስ ንኽላቐቑ ዓቢ ደገፍ ኰይኑ ኣሎ።
ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ “ምስክርነት ፍቕሪ ክርስቶስ” ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ፍቕሪ ክርስቶስ’ዚ፣ ክርስቶስ ኣብነት ዝገበረ፣ ብቓልን ሕይወትን ዝተሰነየ ኣገልግሎት ምቕራብ ማለት እዩ። እቲ ኵላዊ ዝኾነ መሠረታዊ ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ኣብ ኵሉ ከባቢ ዓለም ተቐባልነቱ ክሰፍሕ ዘገልግል ማሕበር እዩ። ተልእኾ ክርስትያን ወለንተይና ነዚ ይመስል እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.