2012-07-05 11:37:27

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ሐዲሽ መራሒ ዓንቀጸ ሃይማኖት ስይሞም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንብፁዕ አቡነ ገርሃርድ ሉድቪግ ሙለር ናይ ዓንቀጸ ሃይማኖት ማሕበር ዋና ሐላፊ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝሰየምዎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

ብጹዕ አቡነ ገርሃርድ ሉድቪግ ሙለር አብ ጀርመን ናይ ረገንስበርግ ጳጳስ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ከም ዝኾኑ ክምልከት እንከሎ ፡ ናይ እግዚአብሔር ቤተክርስትያን ኮሚስዮን ናይ ቅዱስ መጽሐፍ ጳጳሳዊ ኮሚስዮን ናይ ሀገራት ሐቆፍ ጦሎግያዊ ኮሚስዮን ክአ ዋና ተጸዋዒ ኮይኖም ከም ዝተሰየሙ እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

ብፁዕ አቡነ ገርሃርድ ሉድቪግ ሙለር ነቶም ብገደብ ዕድመ ምኽንያት ካብ መሪሕነት ማሕበር ዓንቀጸ ሃይይማኖት ወይ ክአ ተአምኖተ ሃይማኖት ዝሰናበቱ ዘለዉ ንብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆሰፍ ለቫዳ ይትክእዎም ከም ዘለዉ እቲ መግለጺ አረዲኡ ።

እዞም ነቲ አብ ቅድስቲ መንበር መሠረት እምነት ዝኾነ ቅዱስ ማሕበር ዓንቀጸ ሃይማኖት ክመርሑ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተሰየሙ ብጹዕ አቡነ ገርሃርድ ሉድቪግ ሙለር ቅድሚ 64 ዓመታት አብ ጀርመን አብ ክፍለ ሀገር ራይንላድ ፋልጽ አብ ከተማ ማይንዝ ዝተወልዱ አብ 30 ዕድምኦም ካህን አብ 52 ጳጳስ ዝተሰየሙ አብ ባየርን አብ ከተማ ሙኒክ አብ ሉድቪግ ማክሲሚልያን ዩኒቨርሲቲ ንነዊሕ ዓመታት ሕገ ቆኖና ቤተ ክርስትያን ዝምሀሩ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ አሎ ።

ብፁዕ አቡነ ገርሃርድ ሉድቪግ ሙለር አባል ረኪበ ጳጳሳት ጀርመን ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ኮይኖም ዘገልገሉ አብ ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ወንጌልን አብ ክፍሊ ኤኩመኒዝምን ሐድነት ቤተ ክርስትያን ዕዉት ሙያ ዝገበሩ አብ ምምዕባል ዝርከባ አብያተ ክርስትያናት ሰብአዊ ፕሮጀክትታ ዘቃንዑ “Dominnus Jesus “ ኢየሱስ ክርስቶስ አምላክ ኢዩ ዝተሰየመ ጳጳሳዊ ጭርሖ ዝኽተሉ ትሑት ትግሁን ሩሕሩሕን ከም ዝኾነ ይምልከት ።








All the contents on this site are copyrighted ©.