2012-07-05 15:27:23

መበል 55 በዓል ክልተ ዓለማት


ኣብ 2007 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ሙዚቃ ደራስን ገጣምን ሙዚቀይናን ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ መራሕን ጃን ካርሎ መኖቲ ክሳብ እታ ብሞት ዝተፈለዩላ ዕለት ካብ ተስዓታት ዓመታት ኣትሒዞም ናይ ስነ ጥበባዊ ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ኡምብርያ ከተማ ስፖለቶ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ዘበገስዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሙዚቃን ስነ ጥበብን ባህልን ስነ ምርኢትን “በዓል ክልተ ዓለማት” እተሰይመ RealAudioMP3 ለብዘበን መበል 55 ዓመቱ የብዕል ከምዘሎ እንክምልከት፣ እቲ ናይ ለብዘበን ዕለት 15 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ዝጠቓለለ በዓል ክልተ ዓለማት ዕለት 29 ሰነ 2012 ዓ.ም. ከምእተጀመረን፣ ቢቢ ዓመቱ ኣብ ክፍለ ሃገር ኡምብርያ ኣብ እትርከብ ከተማ ስፖለቶ ዝካይድ ክኸውን እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት እውን በዓል ስፖለቶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፣ ለብዘበን ምስ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር መደብ ስሩዕ ፍጻሜታት ኣብ ዓበይቲ ሓጢኣት ዝተደገፈ ስብከትን ኣስተምህሮን ከምእተዳለወ ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ መደብ ስሩዕ ፍጻሜታት ስብከት ዕለት 14 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ናይ ስፖለቶን ንሪቺያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ረናቶ ቦካርዶ “ስሰዔ” ብዝምልከት ብዘቕርብዎ ኣስተምህሮ ዝጠቓለል ከምዝኾነን፣ ዕለት 29 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ኣብ ናይቲ በዓል መኽፈቲ ኣብቲ ናይ ኵሉ ሓጢኣት መሠረት ዝኾነ “ትዕቢት” ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ናይ ሓድሽ ኣፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስፖለቶ ዓለም ሓቆፍ በዓል ኣብ ዓበይቲ ሸውዓተ ሓቲኣት ዘማእከለ ስሩዕ መደብ ብምድላዉ ከየገረመ ኣይተረፈን፣ ዝኾነ ኰይኑ ግን ብዛዕባ ሓጢኣት ኮነ ግብረ እከይ ብዙሕ ዘይበሃል ይምስል እምበር፣ ኣብ ባህላዊ መድረኻትን ዓውደ መጽናዕትታትን ብዝተፈላለየ መልክዕ ብዙሕ ኣተኵሮ ዝግበረሉ ጉዳይ እዩ ቢሎም፣ ምስ’ዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ.ም. እውን ኣብ ዓሰርተ ትእዛዛት ዘማእከለ ኣስትንትኖ ኣብ ዓሰረት ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ዝርከቡ ዓሰርተ ዓበይቲ ኣደባባይ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ዘሳተፈ መደብ ኣስተንትኖ እውን ከምዘሎ ገሊጾም፣ እዚ እቲ ናይ ሕይወት ወዲ ሰብ ዝወሸጠ ስቱር ህላዌኡ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘድምጽ ሕልናን ከምኡ እውን ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ናይ ስነ ፍልጠት ወይ ናይ ምርዳእ ብቕዓቱ ናብቲ ደረት ሰገር ዘበለ ምዃኑ ዝገለጽ እዩ።
ቅልውላውን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሰብ ዝተደናገረን ማእዝኑ ዘጥፍኤን/ዝሰሓተን ንመጻኢ ናይ ምጥማት ብቕዓቱ ዘዕወረን ብጠቕላላ ብዘይ ተስፋን ኣብዘይ ትስፍውነት ዝነብር ማለት ኢዩ። እዚ ሰብዚ ገዛእ ርእሱ ምርካብ የድልዮ፣ ስለዚህ ብዛዕባ ሕይወትን ዕላማን ፍጻሜን ሕይወትን ንኽርዳእን ንኽፍልጥን ምስ ዝብገስ ነቲ ቅልውላው ከለልዮን መፍትሒኡ እውን ከናድልየሉ ዝብቕዖ መገዲ የለልይ።
ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ትዕቢት ኣብ ዝብል መሠረት ኩሉ ሓጢኣት ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ከዝምዘቕረቡን፣ ትዕቢት ብትሕትና እዩ ዝሰዓር፣ ትሕትና ማለት ድማ ምሉእ ርድኢት እንታይነት ገዛእ ርእስኻ ምህላው ማለት እዩ። ቅልውላው ስነ ሰብእ ዓሚይቕ ናይ እምነት ቅልውላ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ። እቲ ጥልቂ ናይ እምነት ኣድማስ ክጎድል ወይ ድማ ክዝሕትል እንከሎ ማለት ጸሎትን መንፈሳዊ ሕይወትን ክዝሕትል እንከሎ ኵነት ሰብኣውነትና ውስንነትን ጐደሎነትን እዚዩ ክብ የብሎን፣ ንሰብኣዊ ብቐዓትና እንህቦ ግምት ከነሕስሮ ንጅምር፣ እዚ ድማ ንትዕቢት ልሙዕ መሬት እዩ ዝኸውን ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣመለኪቶም፣ ባህሊ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ቋንቋ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብቑዕ ዝኾነ እዋናዊ ሓድሽ ቋንቋ ኣሎ ማለት ኣይኮነን፣ ሕመረት ኣስፍሆተ ወንጌል ወትሩ ዘይቅየር ብስራት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንኢየሱስ ምፍላጥ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ማለት ኢዩ። ስለዚህ እዚ ብስራት’ዚ ብቓልን ሕይወትን ምንባር ማለት ኢዩ። በዚ መገዲ’ዚ ኣቢልካን ብስነ ባህልታት ኣውን ነቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ናይ ክርስትና እምነትን ባህልን ከወግድ ዝፍትን ባህሊ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ናይ ስፖለቶ በዓል ዝምስክሮ እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.