2012-06-30 15:14:03

ሓደን እንኮን ውሁድ ጥዑም ድምጺ
ናይ ወስትምኒስትርን ናይ ቤተ ጸሎት ሲስቲና መንፈሳዊ መዘምራን ብሓባር ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ


ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝዘከርዎ፣ ናይ ወስትሚኒስትር ኣበይ ጉጅለ መንፈሳዊ መዘምራ ብምኽንያት ትማሊ ብላቲን ስርዓት ዝበዓለ ዓመታዊ ዝክረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ምስ ናይ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ጉጅለ መንፈሳዊ መዘመራን ብሓባር ኣብ ቫቲካን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ RealAudioMP3 ኣብ ዝዕረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓደን እንኮን ውሁድ ጥዑም ድምጺ ኮይኖም መንፈሳዊ መዝሙር ከምዘቕረቡ እንክንገር፣ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ እቶም ክልተ ጉጅለ መንፈሳዊ መዘምራን ብሓባር ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ድሕሪ ዘስምዕዎ ውሁድ ጥዑም መዝሙር ነቲ ኩላትና ክረጋገጽ ሃረር እንብሎ ምርግጋጽ ውህደት ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ታሪክ ዘቐድም ናይ ሓባር ጉዕዞ ድላይ ጭቡጥ ምልክታ እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።
ብዛዕባ እቶም ክልተ ጉጅለ መንፈሳዊ መዘምራን ዘቕረብዎ መንፈሳዊ ሓደን እንኮን ውሁድ ጥዑም ድምጺ ኣመልኪቶም ካብ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካፐሊ ቃለ መጠይቕ ዝቐረበሎም ናይ ወስትሚኒስትር ኣፈ ጉባኤ ክቡርነቶም ጆን ሆል፦ እቲ ክልተ ባህልታት ብሓደን እንኮን ድምጺ ዘቕረብዎ መንፈሳዊ መዝሙር፣ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዝቐረበ ምርኢት መንፈሳዊ መዝሙር ናይ ዌስትሚኒስትር ጉጅለ መንፈሳዊ መዘምራን ምስታፍ ደስ ዘብል ዓቢይ ክብሪ እዩ። እቶም ክልተ ጥንታውያን ጉጅለ መፍንፈሳዊ መዘምራን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ብሓባር ኮይኖም ሓደን እንኮን ድምጺ መንፈሳዊ መዝሙር እንከስምዑ ዘሕጉስ ዓቢይ ሓለፋ እዩ ኢሎም።
እቲ ኣብ ምቕራብ ምርኢት መንፈሳዊ መዝሙር ብናይ ኣንግሊካዊትን ካቶሊካዊትን ጉጅለ መንፈሳዊ መዘምራን ዝተገለጽ ሓድነት ነቲ ንውህደት ዝኣመተ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ጉዕዞ ጭቡጥ ምልክት እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ውህደት ድላይ ብዝተፈላለየ መልክዑን ኩርናዓቱን ምንባር ዘሐጉስ እዩ። ሙዚቃ ኵሉ ዘሳትፍ ዝኽእልን ንዅሉ ዘሐጉስ ሓደ ካብቶም ናይ ስምረት ረቛሒ ዝኾነ ስነ ጥበብ ብምዃኑ፣ ከም ሙዚቀይናታትን ድምጻውያን መዘምራንን ክርስትያንን ዕጹብ ናይ ሓድነትን ውህደትን መግለጺ ምዃኑ እምነትና እዩ። ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ መደብ ምርኢት መንፈሳዊ መዝሙር ክንሳተፍ ስለ ዝዓደሙናን ከምኡ እውን ጉጅለ መንፈሳዊ መዘምራን ቤተ ጸሎት ሲስቲና ዝገበሩልና እንገዳን ነመስግን ቢሎም፣ እቲ ዝተገብረን ዝተራእየን ምትሕብባር ፍርያማነቱ እዚዩ ክደምዕ ምዃኑ ተስፋና እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.