2012-06-28 14:59:38

“Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ”፦ ስነ ሜላን ሓቅነትን


ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ መጽናዕትን ፍልጠትን ዝቐርብን ዝወሃብን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን መልስታትን ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን RealAudioMP3 ዘሎ ዘተን ዘይምንጽጻግን ማለት ክውን መሠረታዊ ጥምረት ንምትንታንን ንምዝታይን ንምርግጋጽን ዝኣመተ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ዘበገሶ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ካብ ዕለት 17 ግንቦት ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ስነ ጥበብን ጽባቔን ደረት ሰገርነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣማንያንን ኢኣማንያን ዘሳተፈ ድሕሪ ዘካየዶ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ቀጺሉ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኢጣሊያ ልኡከ መንግሥቲ ሕንፃ “Diplomazia e verità - ስነ ሜላን ሓቅነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ዘሳተፈ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝተኻየደ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።
ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ምእንቲ ረብሓ ሃገሩ ሓቂ ዘይነግር-ኣሉ ዝብል ቅኑዕ ሰብ ማለት እዩ” እንክብል ዜጋ ዓባይ ብሪጣንያ ደራሲ ኣይዛክ ዋልቶን (1593-1683 ዓ.ም.) ዝበሎ ቃል ጠቒሶም ካብዚ ዓይነቱ ቅቡል ዝኾነ ኣተሓሳስባ ተወጺኡ ዲፕሎማስን ሓቅን ምትዕራቕ ይከኣል ዶ? ናብ ዝብል ሕቶ ምልስ ቢሎም፣ ዲፕሎማስነት ናይ ስበኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾነ መሠረት ሓቅን፣ ባህርያዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፈልዩ ዘርእን እቲ ባዕላውነት ዝብል ዝምባለ እዋናውነት ዝጻረር ብሉጽን ያታውን ዝኾነ ርድኢትን እማረን ሓቅነት ዳግም ምሕዋይን ምውሓስን የድሊ። ሮማዊ ኦራዚዮ (65 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ - 8 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ) ናይ ስነ ግጥሚ ሊቅን ገጣምን “ቅልዕቲ-ሓቂ” ዝብሎ ጠቒሶም፣ ሓቂ ዕቃቤታቱ ከይጠሓሰ ኩሉ ጥንቓቔን መብርህን ዝተኸድነን ኮይኑ ክርከብ እንከሎ እዩ ዝማርኽንን ዝስሕብን፦ ምስጢር ክልተ ጎድንታት ኣለዎ፣ በቲ ሓደ መዳይ ብምብራህ ምግላጽ፣ ማለት እቲ ጸገምን ግርጭትን ዘይምርድዳእን ከስዕብ ዝኽእል ጎድኑ ምኽዋል ዝብልን ብኻልእ መዳይ ድማ አሉታዊ ዝኾነ ጎድኑ፣ ንሕዝቢ ክንገርን ሕዝቢ ክፈልጦ ዝግብኦ ንናይ ሕሊና መርመራን ርእይቶን ንኅዳሴን ለውጥን ኅብረተሰብ ዝጠቅም ክነሱ ዝተሓብኤ/ዝተኸወለ ዝብል ማለት ምዃኑ ገሊጾም፣ ዲምፕሎማትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣብ ከምዚ ዓይነት ስንኩፍ ጥርዚ እዮም ዝርከቡ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ገሊጾም።
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ቱራን ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፦ ዲምሎማት ኣሉ ክብል እንከሎ፣ ናይ ልኡኽ ሃገር ተልእኾኡ ሸቶ ወቒዑ ማለት እዩ። ኮይኑ ግን ዲፕሎማስነት ወትሩ ኣበይን መዓስን ንናይ ሰብኣውነት ምርግጋጽ ኣገልግሎት ክውዕል ኣለዎ” እንክብሉ፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ልኡከ መንግሥቲ ዲያዝ ብወገኖም “ዲምፕሎማት ንናይ ሃገሩ ረብሓ ክዓዪ እንከሎ ንናይ ሓባረ ረብሓ ኢዩ ዝዓዪ፣ ኣብዚ ዓለማዊ ምትእስሳር ኣብ ዝተረጋገጸሉ ዓለም ኣብ መንጎ ዲፕሎማስነትን ግልጽነት መጎታዊ ርክብ ኣሎ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.