2012-06-28 14:55:03

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ አስተምህሮ ቅ.ኣ. (27/06/2012)
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “እግዚኣብሔር ልዕልና (ዕብየት) ዘይኮንስ ኣገልግሎት ኢዩ ዝደሊ”


ትማሊ ዕለት 27 ሰነ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መልእኽትታት ሐዋርያ ኣሕዛብ ቅዱስ ጳውሎስ ኣሞርኪዞም ዝጀመርዎ ኣብ ጸሎት ዘማእከል ኣስተምህሮ ብምቕጻል፣ RealAudioMP3 ብፍላይ እቲ ሰብኣዊ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ስልጣንን ዕበለላን ምልክነትን ሓይሊ መጋበርያታትን ዝብል ዘይኮነስ ገዛእ ርእስኻ ባዶ (ትሕትና) ኣብ ምትራፍ እዩ ምርግጋጽ ገዛእ ርእስነት ዘዕትር” እንክብሉ ብኽርስቶስ ዝተመልከተ መገዲ እውን ምዃኑ ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊሊጲሲዩስ ዘሎ ስነ ክርቶሳዊ ማህሌት ተባሂሊ ዝግለጽ ክፍሊ ምዕራፍ ዘረጋግጾ ምዃኑ ሓቢሮም።
“ናብ እግዚኣብሔር ድያበ (ምብጻሕ) ናብ ኣገልግሎት ትሕት ብምባል ኢዩ ዝረጋገጽ” ብዝብል ጽማሬ ሓሳብ እቲ ብክርስቶስ ዝተሓበረ መገዲ ገሊጾም፣ “ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ…ስለዚ እውን ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ”። እታ ቅዱስ ጳውሎስ ንኽስዕባን ንኽነብራን ቃል ኪዳን ዝኣተወላ መገዲ “ገዛእ ርእስኻ ትሕት ናይ ምባል ውርደትን ንፍቓድ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ መባእ ገይርካ ምውፋይ ዝብል መገዲ መስቀል” ምዃና ቅዱስነቶም ገሊጾም፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብርግጽ ኣብ ሮማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ናብ ሰብ ፊሊጲሲዮስ ዝጸሓፋ መልእክቲ ትሕትና ክርስቶስ ዕቤቱ ከምዝኾነ እተረጋግጽን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝቕበለላን ዝስውኣላን መዓልቲ ምቕራባ ኣብ ዝተገንዘበሉ እዋን፣ ምኽንያት ሓቀይና ሓጎሱን ምርግጋኡን ምዃኑ እተነጽር እያ። “ኢየሱስ እታ ኣብ መስቀል ሙማት ነቶም ናጻ ዝኾኑ ሰባት ዘይኮነስ ኣብቲ እዋን ንጊልያውያን ተዓቂቡ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ብምቕባል እቲ ዝለዓለ ውርደት ተቐበለ፦ እቲ ሰብኣዊ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ገዛእ ርእስኻ ምግላጽን ምርግጋጽን ኣብ ስልጣንን ዕበለላን ምልክነትን ኣብ ሓያላን መጋበርያታት እዩ ዝብል፣ ሰብ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልን ብቕዓትን ብምትእምማን ናብ እግዚኣብሔር ክብ ንምባልን ከም እግዚኣብሔር ንምዃን ግምቢ ባቢሎን ኣብ ምንዳቕ እዩ ዝርከብ”።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ድራር ዝፈጸሞ ተግባር ምዝካር ኣዚዩ ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ኣነጺሮም፣ እግረ ኣርዳኢሁ ሓጺቡን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንሓድ ሕዶም ክፍጽምዎን ከምዘተሓሳሰበ ክዝክሩ እንከለዉ፦ “እግዚኣብሔር ዕብየት ዘይኮነስ ንፍቕርን ነገልግሎትን ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ እዩ ዝደልይ፦ ድያበ ናብ እግዚኣብሔር ዝረጋገጽ ኣብ ትሕትናን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ትሕትናን ማለት ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር እንታይነት ኅላዌ ናብ ዝኾነ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ብምባል ምግልጋል እዩ ስለዚ እዚ እዩ ድማ እቲ መንጽሒ ሓይሊ ብሓቂ ፍጥረት ሰብ ንእግዚኣብሔር ከስተውዕልን ክርእይን ዘብቅዕ”።
ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ምስ ገዛእ ርእስኻ ምርኻብ ማለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ ኣብ ጸሎትን ምስ እግዚኣብሔር ኣብ እንፍጽሞ ርክብን፣ ኣእምሮናን ልባትናን ድላይናን ናብቲ ናይ ሕይወት ሓይሊ ንኽንኣቱ ንናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር እነርህወሉ መጋበርያ እዩ”።
ጸሎት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ኩለንተና ሰብኣውነትና ዘጠቓልል ጸጥታን ህድኣትን ቃልን መዝሙርን ምልክታን ምዃኑ ክትንትኑ፦ “ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ምንብርካኽን ወይ ድማ ኣብ ጸሎት ኣብራኽካ ምዕጻፍ፦ ብኩለንተናኻ ንእግዚኣብሔር ምምላኽ ማለት እዩ”፣ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ክንብርከኽ እንከለና ንሱ እንኮ ጎይታ ሕይወትና ምዃኑ ዝእምነት ኣብኡ ዘሎና እምነት ኢና ንእመን” ምስ በሉ “ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ኣምልኾ ክንነብር ደው ምባልና ሕይወትና ናብቲ ናብኡ ክብ ከብላ ገዛእ ርእሱ ብትሕትና ናብ ዘውረደ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንምእታው እዩ” ቢሎም ናይቲ ብቋንቋ ጣልያን ዘስምዕዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ በቶም ዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ ቋንቋታት ድግማ ኣስሚዖም ነቶም በሸሓት ዝቝጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.