2012-06-26 14:32:08

ሰነድ ዛዕባ ጸዋዕታ ክህነት፦ “ግዳሴን ክንክንን ጸዋዕታ ንቤተ ክርስትያን ቀጻሊ ብድሆ እዩ”


ትማሊ ንጎሆ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝወሃበሉ ኣዳራሽ መጋበእያ ናይ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዘኖን ግሮቾለቭስኪ ብሓባር ምስ ዋና ጸሓፍቶም ብፁዕ ኣቡነ ዣን ልዊስ ብሩገስን ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ቪቸንዞ ዛኒን RealAudioMP3 “ግዳሴን ክንክንን ጸዋዕታ ንቤተ ክርስትያን ቀጻሊ ብድሆ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዕለታዊ ሕይወታ ዝፈታተንዋን ዘጋጥምዋን ብድሆታት፣ ንኣብነት እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ከምኡ’ውን ትምህርትን ስነ ምግባርን ኣብ ሃይማኖት ኪምርኰዝ የብሉን ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ዓለማውነት ባህልን ብመንፈሳውን ሰብኣውን ንቕሓት ንምብዳሕ “ጸዋዕታ ክህነት ንምንቕቓሕ ዝድግፍ ናይ ጸዋዕታ ክህነት መለለዪ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተደረሰ ሰነድ ቫቲካን ብዛዕባ ጉዳይ ጸዋዕታ ተመልኪቱ ከምዘሎ ከምዝሓበሩ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋዉስታ ስፐራንዛ ገሊጸን።
ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ዛኒ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዋላ’ኳ መዋቕራዊ ስሩዕነትን ምህዞኣውነትን ብቕዓት ዘለዎ ስለ ጸዋዕታ ዝሓሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እንተሃለወ፣ ዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነትን ገዳማውያንን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ይኸይድ ከምዘሎን፣ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ሕጽረት ሓልዮ ጸዋዕታ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝረኣይ እውን እንተኾነ፣ ብዝሒ ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ግን ክብ እናበለ ዝኸይድ ምዃኑን፣ ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 2001 ዓ.ም. ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት 20.994 ከምዝነበረን ኣብ 2010 ዓ.ም. ናብ 26.924 ክብ ከምዝበለን፣ ኣብ እስያ ኣብ 2001 ዓ.ም. 26.433 ከምዝነበረን ኣብ 2010 ዓ.ም. 33.282 ከምዝበጽሔን ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ሓቢረን።
ብፁዕ ኣቡነ ዣን ልዊስ ብሩገስ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣተኵሮ ሕዝቢ ምዕራብ ዓለም ኣብ ንዋታዊ ሃብቲ ዝተሸኽለ ብምዃኑን ከምኡ እውን ኣብ ገለ ገለ እዋን ካህናት ከይተረፉ ምሉእ ብምሉእ ዝወድቍሉ ኣብ ናይ ማሕበራውን ሰብኣውን ጉዳያት ኣዚዮም ንጡፋት ዝኾና ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ተገደስቲ ማኅበራት ስሉጥነት ምስፋሕ ከምዘሎን፣ ብዙሕ ጊዜ ኣገልግሎት ማሕበራት ስሉጥነት ኣገልግሎት ክህነትን ክደናገር ከምዝርአን፣ ብኻልእ መዳእ እውን ቤተ ክርስትያን ብሱቕታ ዘይትሓልፎን ቆራጽ ውሳኔ እትወስደሉ ከይሓበአት ከምእተፈጸመ እትኣምነሉ ግድፈት ውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ብፍላይ ድማ ብውሑዳት ካህናትን ገዳማውያንን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም፣ ሕርያ ተመሃሮ ውሉደ ክህነት ጥብቅን በሊሕን ጥበብ ዝዓሰሎ ክኸውን ኣለዎ፣ ስለዚህ ሰብኣዊ ተነቃፍነት ዘለዎም ዜጋታት ብዓንተውኡ ፈጺምካ ዘይምቕባል ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ቀጺለን ብፁዕ ካርዲናል ግሮቾለቪስኪ ክንክን ጸዋዕታ ክህነት ቀጻሊ ብድሆ ቤተ ክርስትያን ምዃኑን፣ ጸዋዕታ ክህነትን ኣብ ቤተ ክርስታያን ተራ ክህነትን ኣድላይነት ክህነትን ተነጺሩን፣ ብዙሕ ጊዜ ቲዮሎጊያዊ መጽሓፍ ቅዱሳውን መንፈሳዊ መንነት ክህነት ብዑምቆት ዘይምልላይ ንብዙሕ ሓደጋ ከምዘቃልዕን፣ ምእንቲ’ዚ ግዳሴን ክንክንን ንጸዋዕታ ክህነት ብዑምቆት ክሰፍሕ ከዘለዎን፣ ካብ ናይ እምነት ተመኵሮን ካብ ጸሎትን ምስ እግዚኣብሔር ካብ ዝቐውም ጽኑዕ ውልቃዊ ርክብን ዝምንጭው ክኸውን ከምዘለዎን፣ ኣብ ናጻ ጊዜ ኣብ ዕለታዊ ናብራ እንኽተሎ መገዲን ነቲ ጽባሕ እንነብሮ ምርጫ ሕይወት መንጽር ኮይኑ ክንበር ኣለዎ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ “ሕዝቢ ንካህን ዝሓቶ ናይ እምነት ክኢላ ማለት እምነቱ ብቓልን ሕይወትን ዝነበር ክኸውን እዩ”። ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ኣብ ፍጻሜ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኣብ 2015 ዓ.ም. መበል 100 ምሰረታዊ ዘብዕል ምዃኑን በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ድሮ ዝተፈላለዩ ባህላውን መንፈሳዊን ጅማሬታት ይፍጸሙ ከምዘለዉን ናይቲ ቅዱስ ማኅበር ድረ ገጽ እውን ከምእተሓደሰ ከምዘመልከቱ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.