2012-06-23 13:34:24

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ቅልውላው ብምቕዳም ስነ ምግባር እዩ ዝስገር”


ዕለት 21 ሰነ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ማኅበር ሓረስቶት ኣባላት ጠቕላሊ ጉባኤ ተቐቢሉም ቅልውላው ቍጠባን ኤኮኖምን ናይ ሕርሻን ሃብቲ ዓሳን ኤኮኖሚ ኣዋፈርቲ ሰብ ትካል ብርግጽ ከቢድን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቢ ብድሆ ከምዝኾነን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው RealAudioMP3 ብብቕዓትን ግቡእን ብዝተሓደሰን ጥልቂ ናይ ሓላፍነት መንፈስ ኣቢሎም ክገጥምዎ ዝጽውዕ ንምትሕብባርን ተኻፊልካ ንምንባርን ፈተና እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ንገር ዘማእከለ ሥልጣንዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን፣ ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ኣዚዩ ከምዘጥቐዔን፣ መሬት እቲ ክቡር ዋጋኡ ከምዝስእንን ሓረስቶት ብቐጥታ ዓመታዊ ፍረ ጻማኦም ከንቆልቁልን ግቡእ ጻማ ጻዕሪ ንዘይምርካብ ኩነት ደሪኹን ናብራ ክኸብር ከምዝገበረ እውን ተንቲኖም በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ነቶም ብናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝመሓደሩ ክፍሊ ኅብረተሰብ ደገፍን ምትሕብባርን ክግበረሎም ጻውዒት እንከቕርቡ፦ “መሰረት ኣብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልው ኩነታት ቅልውላው ቍጠባን ኤኮኖምን ቅልውላው ግብረ ገብ ከምዘሎ ንጹር እዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚን ቍጠባን ቅልውላው ብምቕዳም ስነ ምግባር እዩ ዝስገር” ኢሎም።
እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ፣ ነቲ ናይ ብቑዕን ትኽክለይናን ሓሳብን ውጥንን ተግባርን ምንጪ ዝኾነ ንርኽበት መንፈሳውያን ክቡራት ዋጋታት ምቹእ ዝገብርን እቲ ቅልውላው ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ዝድግፍ መደብ ወሳኒ ምዃኑ ከምዝሕብር እንከመልክቱ፦ “ስድራ ቤትን ቤት ትምህርትን ነፍሲ ወከፍ ፖሊቲካዊ መዋቕርን ባህልን ስነ ምምሕዳራውን ዜግነታውን ጉዳያት ዘበራብርን ዘተባብዕን ብፍላይ ድማ ንጉዳይ መንሰያት ዝግደስ ናይ ምትሕብባርን ስምምዓትን ስንይትን ተግባራት ዘረጋገጹ ክኾኑ ይግባእ። መጻኢኡ ብለጋስነት ንምሕናጽ ዝደልይ ካብ ዝበጽሔ ክፍሊ ኅብረተሰብ ብቑዕን ዑቱብን ኣብነትን ውጥናትን ዝጽበ ብእማመታትን ተስፋታትን ዝተመልአ መንሰይ ወለዶ ትጽቢታቱ ዘየደናግር ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም። ኣብዚ እዋን ቅልውላው ኤኮኖምን ቍጠባን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሳሲቦም ስልጣናዊ ምዕዳኖም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.