2012-06-21 15:41:31

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅ.ኣ. (20/06/2012)
“እነቕርቦ ጸሎት ቅድሚ ናይ ልመና ጸሎት ውዳሴን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ከኸውን”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ጸሎት ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብመቕጻል ድሕሪ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ፍጻሜ ብጥልቂ ኣድህቦ ዝከታተልዎ ዘለዉ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ RealAudioMP3 ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽን እታ ጸረ ክርስትያን ዝሓቀነ ብናይ ኣሸበርቲ መጥቃዕቲ ትናወጽ ዘላ ናይጀሪያ ዘኪሮም፣ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ደው ክብል ጻውዒት ብምቕራብ፣ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽን እቶም ግዳይ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ዝኾነ ምእመናን ኣብ ጸሎቶም ዝኩራት ከምዝኾኑን ምእንታኦምን ምእንቲ እቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸረ ክርስያን መጥቃዕቲ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ከምዝጽልዮ ብምርግጋጽ፣ ናይ ቂመ በቀል መገዲ ብምውጋድ መሰል ነጻነት ሃይማኖት ዝኽበረሉ ሰላምን ዕርቅን ዝሰፈኖ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ኵሉ ናይታ ሃገር ዜጋ ክተግህ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ብናይ ቡራኬን ምስጋናን ማህሌት ንእግዚኣብሔር ብምቕራብ ዘበግሶ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኣማእኪሎም፣ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ “ጸሎት ገዛእ ርእስና ምስ ኣግዚኣብሔር ምዃን እነላምደሉ ኣገባብ ኮይኑ፣ ብነኣይነት ወይ ድማ ፍትወት ነብስን፣ ብናይ ስልጣን ኮረሻ ጽምኣትን ዘይኮነስ ካብ ናጻን ናይ ምፍቃር ምንዮትን ብናይ ምግልጋል ጽምኣት ዝነቓቓሕ ምዃኑን እዚ ድማ ብእግዚኣብሔር ዝነቓቕሑ ሰባት ዘፍርይ እዩ። ከምዚ ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ ድማ ኣብ ጸልማት ዓለም ብርሃን ንምቕራብ ዝከኣል” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ቃል ናይ ኣሕዛብ ሓዋርያ ብምቅላሕ እግዚኣብሔር ናብ ህላወን ንቕድስናን ከምዝጸወዓና እንከረድኡ፦ “ጸዋዕታ ንቕድስና ማለት ጸዋዕታ ኣብ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ናይ ዘለዓለማዊ መደብ እምላኽ ዝተኣሳሰረን ኣብ ኩሉ ታሪኽ ዝተዘርግሔን ናይ ኵሉ ግዜ መላእ ሕዝቢ ዓለም ዘጠቓልል እዩ። ስለምታይሲ ኵላዊ ጸዋዕታ እዩ። እግዚኣብሔር ንዝኾነ ሰብ ኣይንጽልን፣ መደቡ መደብ ፍቕሪ እዩ” ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ቀጺሎም ኣተኵሮ ኣስተምህሮኦም ኣብቲ ኣብ ናይ ፍጥረት እግዚኣብሔር ዝንጸባረቕ ኣብ ናይ ፈጣሪ ጽባቔ ኣንቢሮም ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስ ፍረንቸስኮስ ዘ ኣሲዚ ዘኪሮም፦ “ኣብዚ ናይ ሓጋይ ናይ ዕረፍቲ እዋን ኵሉ ካብቲ ልሙድ ዕለታዊ መነባብሮ ፍልይ ዝብለሉ ከምዝኾነን ኣብዚ እዋን ዕረፍቲ ንናይ ፍጥረት ጽባቔ ከነትኵርን ኣብቲ ጽባቔ ፍጥረት ግሁድ ዝኾነ ገጽ እግዚኣብሔር ከነስተዕል ይግብኣና” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ናይቲ ብቋንቋ ጣልያን ዘስምዕዎ ኣተምህርቶ ትምርህተ ክርስቶስ ድግማ በቶም ዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ ቋንቋታት ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ኣስሚዖም ኩሉ ካብ ናይ ክርስቶፍ ፍቕሪ ምፍቓር ክመሃር ተላቢዮም፣ ሓዋርያዊ ቡርኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.