2012-06-20 10:04:38

ሲኖዶስ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል


ዕለት 19 ሰነ 2012 ዓ.ም. ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 11.30 ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንናይ ክርስትና እምነት ምስፋሕ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንኽካየድ RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በመል 16 ዝወሰንዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ “ሰነድ መጋበርያ ዕዮ” ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ “ሰነድ መጋበርያ ዕዮ” መሠረት ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ላዕለዋይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ሰነድ መጋበርያ ዕዮ ንምድላው ናብ መላእ ዓለም ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተመሓላለፈ ሕቶን ነቲ ሕቶ ካብ ዝተውሃቡ መልስታት ብምትእኽኻብን ዝቐረቡ ተወሳኺ ርእይቶታትን በምጥርናፍ ስሩዕ ኮይኑ ዝተሓትመ ሰነድ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እምነት ክርስትና ኣብ ምስፋሕ ዘጋጥሙ ብድሆታትን፣ ንምብዳሆምን እንታይ ክግበር ከምዘለዎን፣ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዘጋጥማ ጸገማትን ኩሉ ሓደ ብሓደ ብምዝርዛር በዚ መሠረት ኣስፍሆተ ወንጌል ሓድሽ ኮይኑ ክቐርብ ከምዘለዎን፣ ኣብ ምቕራቡን ምስዓቡን ዘድሊ ሜላን ስነ ኣግባብን ዝሕብርን ወንጌል ንእዋናዊ ዓለምን ሰብን ሓድሽ ወለዶን ንምስፋሕ ዝድግፍ እዩ።
ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝምልከት እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ብሓድሽ መንፈስን ብሓድሽ ኣግባብን ምቕራብ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘጉልሕ እዩ።
ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ነቶም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉን ከምኡ እውን ብብቕዓት ብወንጌል ዘይተሰበኩን፣ ካብ ቤተ ክርስትያን ዝረሓቑን ኅላዌ ወንጌልን ጽባቔ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብኵለንተናና ኣብ ኵሉ መዳይ ምስ ኣሕዋት ኣባላት ማኅበረሰብ ኣመንትን ተሰፈይናታትን ፍቕርን ኮይና ከነብዕሎን፣ ክንነብሮን ዝድግፍ እዩ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ልኡካነ ወንጌል ናብቲ ወንጌል ገና ዘይበጽሖ ዘይኮነስ ናብተን ጥንታውያን ክርስትያን ሃገራት ብሓድሽ መንፈስ ዘነቓቕሕን ነቶም ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ዘይ ክርስትያን ክፍሊ ኅብረተሰብ ብዛዕባ እምንነ ክርስትና ክርድኡን፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ክፈልጡ መሰል ከምዘለዎም ዝምስክርን ዘኽብር እዩ።
ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ “ሕዳሴ ኣብ ቀጻልነት” ዝኣምን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ነቲ ትማሊ ዝነበረን ሎሚ ዘሎን ጽባሕ ዝህልውን ወንጌል ኣብዚ እዋን ዝውለድ ዘሎን ዝረአይን ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ባህልን ነቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማውነትን መልሲ ዝህብ እዩ ምስ በሉ፣ ኣብ ድኻምነት ዝግለጽ ሓይሊ እግዚኣብሔርን ብሰብ ኣቢሉ ምእንቲ ሰናይ ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ጴንጠቆስጠ ዘነቓቕሕ ሲኖዶስ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.