2012-06-16 14:56:36

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ መዓልቲ ንናይ ካህናት ቅድስና “ነገልግሎት ቤተ ክርስትያን ብመሰረት ልቢ ኢየሱስ”


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብዒላ ከምዝወዓለት ክፍለጥ እንከሎ፣ መዓልቲ ንናይ ካህናት ቅድስና ምስ’ዚ በዓል’ዚ ተተሓሒዙ ቅድም ብናይ ሮማ ሰበኻ ካህን ኣባ ማሪዮ ቨንቱሪኒ ኣብ 1947 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኢጣሊያ ክበዓል ከምዝጀመረን ስዒቡ ኣብ 1948 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ነዚ ሰናይን ቅዱስን ሓሳብ ድላይ እግዚኣብሔር ምዃኑ RealAudioMP3 ብምርግጋጽ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክበዓል ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ብኵላውነት ደርጃ ከምእተበገሰ ማህደር ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዘመልክቶ እዩ።
ትማሊ ምስ በዓለ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ተተሓሒዙ መበል 64 መዓልቲ ንናይ ካህናት ቅድስና ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ሊጡርጊያን ጸሎትን ኣስተንትኖን ሓሳብ ኮይኑ ከምዝወዓለ እንክንገር፣ በታ ዕለት ምኽንያት ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ምስ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ “ብዘይ ካህናት ንገዛእ ርእሳ ቤተ ክርስትያን እውን ኣይምሃለወትን” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለን ቅዋመ ምሥጢረ ክህናት ድላይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ከምዘረድኡ እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ካህናት ቅድስና መሠረት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ካብ ዕለት 19 ሰነ 2009 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 11 ሰነ 2010 ዓ.ም. “ምስጢረ ክህነት ፍቕሪ ልበ ኢየሱስ እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ኣማእኪሎም ብዘተሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽትን ኣብታ ናይ ክህነት ዓመት ዝሃብዎ ሥልጣናዊ ኣስተንትኖታት ዓሚዩቕን ሰፊሕን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ዕለት 5 ነሓሰ 2009 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ “ቅዱስ ኩራቶ ዳርስ ቅዱስ ከበሃል ዘብቀዖ ምስ ክርስቶስ ዝሓዞ ፍቕሪ እዩ፣ ዓወት ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎቱ ኣብቲ ንምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ምስራዕን ምብዓሉን ምኽባሩን ዝነበሮ ኅያው ፍቕሪ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ፍቕሪ ንመጓሰ ክርስቶስን ነቶም ንእግዚኣብሔር ዝደልዩ ሰባትን ገይሩ ስለ ዝነበሮ ኣዩ” ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የዘኻኽር።
ቅዱስ ኣቦና ዕለት 13 ሰነ 2010 ዓ.ም. “ንወንጌልን ስለ ንናይ ወዲ ሰብ ህብረን ሃይማኖታውን ነጻነትን እዚ ንምርግጋጽ ብዝነበሮም ሓቀይና ፍቕርን ቅንኣትን መንፈስ ተደሪኾም እውነተይና መንፈሳውን ማሕበራውን ሕዳሴ ክረጋገጽ ዝገበሩ ቅዱሳትንን ተባዓትንን ካህናት ከምዝነበሩ ካብ ታሪኽ እንርድኦ ሓቂ እዩ” ከምዝበሉ፣ ዕለት 13 ሰነ 2010 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ “ካብቲ ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ልቢ ኣመና ሕልፊ ኣፍ ልቢ መሊኡ ዝውሕዝን ዘዕለቕልቕን ተሰዋኢ ፍቕሪ፣ ምንጪ ኵሎም ጸጋታት ናይ ቤተ ክርስትያን ዝኾነን ካብቶም ጸጋታት ሓደ ድማ ናይቶም ብጎይታ ኢየሱስ ዝማረኹን ከም ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝበ ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ክስውኡ ቢሎም ኩሉ ናይ ዝሓድጉ ጸዋዕታ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ኣብ ዕለት 12 መጋቢት 2010 ዓ.ም. ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተን ኣባላቱን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን፦ “ምስ እግዚኣብሔር ዝዛረቡን ዓለም ንእግዚኣብሔር ዘቕርቡን ናይቲ ዝበርስን ግዚያውን ነገራት ዝብል ባህሊ ግዙኣት ዘይኮኑ ካብ ኣባልነት እግዚኣብሔር ምዃን ብዝምንጭ ሓቀይና ነጻነት ዝነብሩ ካህናት ኣድላይነቶም ዓቢይ እዩ” ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.