2012-06-15 18:03:56

፫ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ 2004 ዓ.ም. (6/17/2012)


መዝሙር፡ ዓርገ እግዚኣብሔር በቃለ ቀርን . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 12 1~12፥ 1ዮሓ. 2፡20~ፍ፥ ግ.ሓ. 2፡14~22፥ ዮሓ. 14፡22~ፍ.
ስብከት፡“ ልበ ንጹሃ ፍጠር ሊተ እግዚኦ፥ ወመንፈስ ርቱዕ አሓድስ ውስተ ከርስየ፥ ከመ እንግር ኵሎ ፈቃደከ”።
መዝሙር፡በዚ ሰንበት “እግዚአብሔር መልኸት እናተወቕዐ ዓረገ፥ ቀርኒ ዝብጦ እናተወቕዐ ብተሓጓስ አብ የማን አብኡ ዓረገ፥ አብ ሰማያት ዓረገ መላእኽቲ ተአዘዝዎ፥ ኩሎም ሓይልታትን ኩሎም ፍጥረታትን ተገዝእዎ፥ ንኣምላኽና ዘምሩ፥ ንንጉሥና ዘምሩ” ዝብል ንዝምር።
ክርስቶስ ካብዚ ዓለም ብዓይነ ስጋ ካብ ሓዋርያት ምስ ተፈልየ ንኹሉ ዝነግሮም መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎም። መንፈስ ቅዱስ አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወቶም ብፍላይ አብ ስብከተ ወንጌል ምስኦም ከይኑ ንኹሉ ዝብልዎን ዝገብርዎን ከምዝሕግዞም ብንጹር ነጊርዎም ነሩ። “እቲ አቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ
መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ሚምህረኩም ነቲ አነ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” (ዮሓ 14፡26) ኢልዎም ነሩ። “እዚ አነ ዝህበኩም ከምቲ ዓለም ዝህቦ አይኮነን አይትሸበሩ አይትፍርሁ” እናበለ መንፈስ ቅዱስ ዝህቦም ሓይልን ጸጋን ነጊርዎም ነሩ። ነዚ ርድኢት አብ ልብና አሕዲርና ኢና ነዚ እዋን ክነሕልፎ ዝግብኣና።
ቅዱስ ጳውሎስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝወርድ ዝተፈላለየ ውህበታት ከምዘሎ እሞ ኩላትና በብዓይነቱ ውህበታት ተቐቢልና አሎና ኩሉ ውህበታት ከኣ ንጥቅሚ ኩልና እምበር ንግላዊ ረብሓና ከምዘይኮነ ይነግረና። ህያባት አብ አገልግሎት ክነውዕሎ ከሎና ንሰባት አብ መገዲ አምላኽ ንመልሶም። ኩልና ብግልና ዝተወሃብናዮ ነገር አሎና እሞ በቲ ዝተዋህበና መገዲ አምላኽ ክንሰብኽ ነሕዋትና አብ ጸጋ ድኅነት ክንሕብር እዋኑ እዩ።
“ ንኹል ፍቓድካ ምእንቲ ክነግር ንጹሕ ልቢ ፍጠረለይ ኦጎይታ፥ ሓቀኛ መንፈስ አብ ከርሰይ አሕድር” ዝብል ጸሎት ሎሚ እውን ክንደግሞ ይግብኣና። ልብና ነጺሑ ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ንሰናይ አድሕድ ክንወፍር እሞ ደቂ ሓደ አቦ ኮና ዓውት ውሉዳት አምላኽ ክንጭብጥ ንመንፈስ ቅዱስ አምላኽና ልብና ንኽፈተሉ።
መዓልቲ አቦታት፡
አብዚ ሃገር ሎሚ መዓልቲ አቦታት ተባሂሉ ንነፍስወከፍ አቦ ሰናይ ትምኒት ዝግለጸሉ ዝተፈላለየ ህያባት ዝውሃበሉ ከምኡ ጸሎት ዝግበረሉ ዕለት እዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንሕና እውን ንኹሎም አቦታት አምላኽ ጸግኡ ከብዝሓሎም ክባርኾም ቅዱሳት ክገብሮም ነዚ መስዋዕቲ ቅዳሴ ነዕርገሎም አሎና።
አቦ አብ ሓንቲ ስድራ ቤት ዘልኦ ተራ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ቆልዑት ኩሎም ነብኦም ክመስሉ እዮም ዝጽዕሩ፥ አብ ዓለም ካብ አብኦም ዝሕይል ወይ ዝብርትዕ ከምዘሎ አይአምኑን እዮም። ንኣሽቱ ቆልዑት ዝኾነ ጸገም ነብኦም ክነግሩ እንከለዉ ስነ አእምራዊ ዕግበት ይስምዖም።
ሓደ እዋን ሓደ አቦ ንሓደ ፍሉይ ጉዳይ ተዓዲሙ ነበረ። ቅድሚ ምብጋሱ ኩሉ ክዳኑ ቀይሩ ጭሕሙ ላጽዩ ተሰናድዩ ተበጊሱ። እዚ አቦ ርእሱ በራሕ እዩ ነሩ። ክልተ ቆልዑት 3ን 4ን ዝዕድሚኦም ነበርዎ። ነብኦም ቀያይሩ ዝረአይዎ ቆልዑት ነብኦም ክመስሉ አብ ባኞ አትዮም በቲ መላጸዪ ጭሕሙ ርእሶም ክላጸዩ ጀሚሮም እቲ ዝነኣሰ መጀመርያ ፍርቂ ፍርቂ ተላጽዩ መጽኤ ነዚ ዝረአየ አቦ ተቖጢዑ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር እናበለ አንጸርጺሩ ተዛሪብዎ፥ እቲ ዝንአሰ ቆልዓ እናበኸየ ንሓወይ እንተ ረኤኻድኣ እንታይ ክትብል ኢኻ ኢልዎ። እቲ ዝዓበየ ቆልዓ ቅልቅል እንተበለ ኩሉ ርእሱ ተላጽዩ ሓሳማ ክመስል መጽኤ ወዮ አቦ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሓሪቑ በቲ ዝገበርዎ ከንጸርጽር ክራገም ጀሚሩ። ወዮ ዓቢ ቆልዓ እናበኸየ አቦ ብኹሉ ንአኻ ክንመስል ኢልና ኢና ገርናዮ እልዎ ይብሃል። ሽዑ ወዮ አቦ ዝሒሉ ንደቁ ስዒሙ ሓቚፍዎም ይብሃል።
ብኹሉ ነበኻ ምምሳል። ነብኡ ዝመስል ንዝጊ ይመስል ዝብሃል ካብዚ ዝተላዕለ እዩ ዝመስል። ንኣሽቱ ቆልዑት ኩሉ ነገር ካብ አብኦም እዮም ዝወስድዎ ይብሃል። አብ ሓደ ዝተገብረ መጽናዕቲ አቦ ጸሎት ቤተ ክርስትያን ምኻድ ዝፈቱ እንተኾነ ደቁ ቤተ ክርስትያን ይፈትዉ እዮም ይብሃል። ኩሎም ማለት ግና አይኮነን። ናይ አቦ ጽልዋ አብ መጻኢ ሕይወት ደቁ ዓቢ ምዃኑ ክገልጽ ንማለት እዩ።
ዓለም ለኻዊ ተጣባቓይ መሰል ቆልዑት አብቲ ዘውጽኦ ሕጊ፥ ዝኾነ ቆልዓ አቦን አደን ክህልውዎ መሰል አልኦ ይብል። ሰብ ኪዳን ብገለ ጸገም አብ ፍትሕ ክበጽሑ ከለዉ ነዚ ይዝንግዑ። ንጥቕሚ ርእሶም ጥራሕ ዝሓሰቡ እዮም ዝፋትሑ። አብ ፍትሕ ሰብአይን ሰበይትን እቶም ቀንዲ ዝጉድኡ ቆልዑት እዮም።
አቦ አብ ገዝኡ አብ ሕብረተ ሰቡ አብነት አርአያ ክኸውን ይግብኦ፡

አቦታት አዕኑድ ሕብረተ ሰብን ሃገርን እዮም። ዝኽትምና አቦታት አብ ዝኽትምና እምነት የብጽሕ። ናይ እግዚአብሔር አብ መንጎና ምህላው ክንገልጽ ኢልና አቦና ንብሎ። ኢየሱስ ጸሎት ከምህረና እንከሎ አቦ ኢልና ክንጽሊ ይሕብረና። ብምድራዊ አቦና አቢልና ናብ ሰማያዊ አቦና ንሓልፍ። አቦታት ጸዋዕትኦም ንደቆም ደቂ አምላኽ ምግባር እዮም።
አብ ሓደ ሕብረተ ሰብ ናይ አቦታት ዛሕሊ እንተ ተራእዩ ዓቢ ጸገም እዩ ዘስዕብ። ሃገርን ስድራን ዝድፈራ ኩነታት አቦታት ርኢኻ እዩ። ሃይማኖት እውን ዝያዳ ዝስስን አቦታት ንእምነቶም ክነብርዎ ከለዉ እዩ። ነቲ ዘልኦም ሓላፍነት ብግቡእ ክፍጽሙ ናይ ነፍሶ ወከፍና ጸሎት የድልዮም።
አቦታት እምብኣር አምሓላለፍቲ እምነት ባህሊ ታሪኽ እዮም። አቦታት ሓልፍነት ክስምዖም እሞ ንግላዎ ስምዖቶም ዓጊቶም ንኻልኦት ዘሕጉስ ዓደቦ ዝናበሩሉ ነገራት ቀዳምነት ክህቡ እንከለዉ ሽዑ ሰላም ተስፋ አሎ ማለት እዩ። ነዚ ክንገብር ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ “ክስዕበኒ ዝደሊ ርእሱ ይኽሓድ መዓልቲ መዓልቲ መስቀሉ ይጹር፥ እቲ ንነፍሱ ዝዕቅባ ከጥፍኣ እዩ እቲ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግን ከድሕና እዩ” ዝበለና አብ ሕይወትና ክርኤ ይግባእ።
እሞ ናይ ሎሚ አቦታት ብምንታይ ትልለዩ፥ አብ እምነትኩም አብ መዓልታዊ ሕይወትኩም አብ ርክባትኩም ብምንታይ ትፍለጡ። ንስድራኹም ንሕብረተ ሰብኩም ሓላፍነት ትለብሱዶ አሎኹም። ከም ሰባት መጠን ክትደኽሙ ይክኣል እዩ ሎሚ ንመንፈስ ቅዱስ አቦኹም ቤተይ ቤትካ ክገብር ብቅድስና ሕይወተይ ክመርሕ ሓግዘኒ በልዎ።
አደታት ነቦታት ህያብ አምላኽ ኢኽን ስለዚ ንኣምላኽ ክዝክሩ ንአምላኽ ክሰምዑ ሓግዝቶም ክትኮና ሎሚ ቃል ሃብኦም። አብ ጉዕዞ ቅድስና አብ ኩሉ ምሳኹም አሎና እናበልክን አጸናንዓኦም።
አቱም ውሉድ ነቦታትኩም ተኣዘዝዎም ስምዕዎም። ከምቲ ንኣምላኽ እትእዘዙ ተኣዘዝዎም። ነብኡ ዝእዘዝ ካብ አምላኽ በረኸት እዩ ዝለብስ። ልዕሊ ኹሉ ጸሎት ግበሩሎም።
ኦማርያም አደና ከምቲ ንሓዋርያት አቦታትና አብ መንግኦም ኮንኪ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ዝሓገዝኪ ሎሚ ነዞም ናይ ዘመና አቦታት ወድኺ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ከውርደሎም ክተማልድሎም ንልምነኪ አሎና። ኣብ ልቦም ሰላም አብ ኩሉ ንአምላኽ ቀዳምነት ሂቦም ዝኽእሉሉ ሓይሊ ክትህብዮም ንልምነኪ አሎና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.