2012-06-13 09:46:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዘርኢ ወንጌል ክጥጥዕ”


ትማሊ ንጎሆ ኣብ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ተጓዓዝትን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽር ዘዳልዎ መበል 15 ዓለም ሓቆፍ ናይ ብሔር ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፈርትን መዕርፎ ነፈርትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሓለፍትን ተሓባባርቶም ካቶሊካውያን ካህናት ተቐቢሎም RealAudioMP3 መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ነቲ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
ተልእኾ ቤተ ክርስትያን እግዚኣብሔር ናብ ሰብ ምቕራብን ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ንዘቑሞ ርክብ ምምራሕ ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ነቶም ብናይ ስደተይናታትን ገያሾ ተጓዓዝትን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽር ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ንዝተሰነዩ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኅብረ-ሃይማኖትን ኅብረ-ባህልን ኅብረ-ብሄራትን ኅብረ-ሕብረተሰብን ዝራኸብሉ ሥፍራ ምዃኑን ከምኡ እውን ብዙሕን ዓቢይን ጥንቓቔ ዝሓቱ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ሰብኣዊ ጉዳያት እውን ከምዝኽሰቱ እንከመልክቱ፣ “ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ብዘይ መተሓላለፊ ናይ መንነት ሰነድ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካን ኤኮኖምን ዑቕባ ሓተቲ ስደተይናታት ዝነብርዎ ሰብኣዊ ሻቕሎትን፣ ከምኡ እውን ግብረ ሽበራ ንምቁጽጻር ዝፍጸም ጽዑቕ ምቁጽጻርን ሓለዋን ዝረኣየሉ ሥፍራ ምዃኑ ዘኪሮም ናይ ክርስትና ዓንቀጸ እምነት ትምህርቲ ዘስተምህሮም ክቡራት ዋጋታት ኣብተን ካብ ነዊሕ ናይ ቤተ ክርስትያናዊ ሕይወት ባህሊ ዝንጸባረቐለን ሃገራት እውን ከይተረፈ መወከሲ ከይኮነ ይተርፍ ከምዘሎን ብሓፈሻኡ ናይ እምነት ቅልውላው ከምዝርኤ ገሊጾም፣ ካብዚ ዓይነት ኩነት ዝብገስ መምርሒ ሰብኣዊነት ዘየማእከለ ኮይኑ ከምዝተርፍ ርጉጽ እዩ” ምስ በሉ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሥፍራ መጓዓዝያ ነፈርትን መዕርፎ ነፈርትን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሓለፍትን ተሓባባርቶምን ካቶሊካውያን ካህናት ብቓልን ሕይወትን ወንጌል ክምስክሩ ዝተጸውዑ ከምዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ስፍራ እቶም ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብቐሊሉ ክልለዩ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ብሓቂ ዘርኢ ወንጌል ዘጠጥዕን ብዙሕ ፍረ ዘፍርን ልሙዕ መሬት ኮይኑ እዩ ዝርከብ” ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምንቅስቓሳት ኣዚዮም ህዉኻትን ቀጻልን ከምኡ እውን እቲ ዝርኤይ ብምዕባለ ዝተራቐ ከይዲ ኢደ ጥበብ ማእከላውነት ዘርኢ ሰብ ከምዘደብን እንከመልክቱ፦ “ብዙሕ ግዜ እቶም ሰብኣዊ ርክባት ዝገልጹ ፍቕርን ብጻይ ፍቕርን ምትሕብባርን እንተተኸሰሩ እውን ብዘየገድስ እቲ ዓቢይ ኣተኵሮ ንስሉጥነትን ጠቓምነትን ዝእዘዝ ኮይኑ ከምዘሎን፣ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ኩነት’ዚ ህላዌን ናይቶም ናይ ብሔር ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፈርትን መዕርፎ ነፈርትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሓለፍትን ተሓባባርቶምን ካቶሊካውያን ካህናት፣ ናይቲ ህያው እግዚኣብሔር ቅርበትን ንሰብ ቀረባነቱን ዝምስክር ኣገዳስን ብሉጽን ህልውና እዩ። ምእንቲ’ዚ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘጓንፈና ሰብ ሸለል ከይበልና ብፍቕርን ብድልውነትን ክንምልከቶ ዝተጸዋዕና ኢና” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ሎሞናኮ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ዝብለ ዓሚይቚን ሰፊሕን ስልጣናዊ ቃል ቅዱስ ኣቦና ናይ ብሔር ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፈርትን መዕርፎ ነፈርትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሓለፍትን ተሓባባርቶም ካቶሊካውያን ካህናት ተልእኾ ዓቢይ ከምዝኾነን እቲ መተሓላለፊ ስፍራ፣ ኩነት ጽንታን ትንሳኤ መንፈሳውነት ዝረኣየሉን ዝንበረሉን መታን ክኸውን ቤተ ክርስትያን እቲ ዘለኣለማውነት ብቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣቢሉ ኣብ ግዜን ግዜኣውነትን ብምእታው፣ ሰብ ኮነ ዝብል ዝተረጋገጸን ገናን መደብ ምድሓን ኣምላኽ እተበስር ከምዝኾነት እንከረድኡ፦ “ገና ሓጢኣተይናታት እንከለና እግዚኣብሔር ነቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን መታን ከድሕነና ለኣኾ፣ ርሒቑ ኣብ ሰማየ ሰማያት ኣይተረፈን፣ እባ ደኣ ኣብቲ ናይቲ እዋንን፣ እዋናውን ናይ ኩሉ እዋንን ደቂ ሰባት ሓጎስን ስቓይን ጠሊቑን ተኻፋሊ ኮይኑን ዳግማይ ተስፋ ሃበ። ስለዚህ ክርስቶስ እንኰ መድሕን ከምዝኾነን ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ድማ ክርስቶስ ምብሳር እዩ። በዚ መሰረት’ዚ ተልእኾኣ ብምሕዳስ ኣብዚ ዓለማውነት ምትእስሳርን ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ፈላላይ መንደቕ እዚዩ ዝሰፍሓሉ ተገራጫዊ ኩነት ዓለም ንዘርኢ ሰብ ቀረባ ኮይና ኣብ መንጎ ሰባትን ኣሕዛብን ምቅርራብ ክህሉ እተነቓቕሕን እትመረሕን እያ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ሎሞናኮ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.