2012-06-09 16:02:09

ሉርድ፦ ጸጋ ፈውስን ሥነ ፍልጠትን


ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሉርድ ናይታ ማርያማዊት ከተማ ዓለም ሓቆፍ መግለጺ ሥነ ሕክምናን ናይ ሓኻይም ኮሚቴ ብናይ ሕሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምትብባዕ ተሰንዩ ዘዳለዎ “ሉረደስ፦ ፍወሳን ሥነ ፍልጠትን፣ ትርጉሙ ኣብዚ እዋን’ዚ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ RealAudioMP3 ዕለት 9 ሰነ 2012 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ቀዳማይ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ መጽናዕቲ ዕለት 8 ሰነ 2012 ዓ.ም. ከምዝጀመረ ነቲ ዓወደ መጽናዕት ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ትማሊ ኣብቲ መኽፈቲ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ሕሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዘይግሙንት ዚሞውክሲን ኣብ 2008 ዓ.ም. ናይ ሥነ ሕክምና ቀዳማይ ኖበል ተሸላሚ ናይ ሥነ ሕክምና ሊቅ ፕሮፈሰር ሉክ ሞንታኜር ዘረባ ከምዘስምዑ ጋዜጠይና ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን፣ ሥነ ፍልጠትን እምነት ምእንቲ ኣገልግሎት ሕይወት ዝተኣሳሰሩ ከምዝኾኑን በዚ መሠረት’ዚ ድማ ናይ ሕይወት ወንጌል ከበስሩን ክዅስኩሱን ዝተጸውዑ እያቶም እንክብሉ ገሊጾም፣ እዚ ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተበጊሱ ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ሉርድስ ቀዳማይ ዓመት መዓልቲ ሕሙማን ብምብዓል ዝተጀመረ መበል 20 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን ዘኪሮም፣ ናይ ስነ ፍልጠትን እምነትን ዕላማ፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ግዜን ሥፍራን ኩነትን እቲ ዘይገሃስ ክቡር ሰብኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዕሊ በቶም ውልቃዊ ረብሓታቶም ዝከላኸሉን ዝግደሱን ጉጅለታት ዝነቓቕሑ ባህልታትን ናይ ፖለቲካን ኤኮኖምን ጉጅለታት ስሉጥነት ሕብረተሰብ ጥራሕ ብዘገድሶ ኣመለኻኽታን ባህልን ናይ ሞት ባህሊ ንዘተኣታትዎ ሓደጋ ብምቅዋምን ንምርግጋጽ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን እምነትን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ ርክብ ውሁድ ወይ ድማ ወትሩ ውሁድ እዩ ክበሃል እውን እንተዘይተደፍረ፣ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ርክብ ሰላማዊ ብሓባር ምንባር ከምዝነበረን ከምዘሎን ቤተ ክርስትያን እቲ ኣብ ዘመናት እናተፈጥረ ዝመጸ ስነ ፍልጠትን እምነትን ዝፈላልይ መንደቕ ምእላይ ዝከኣል ምዃኑ እያ እትኣምን፣ ማኅበረ ክርስትያን ለጋስን ነቲ ዅሉ ነገር ካብ ኣልቦነት ክውን ዝገብር ኣናስር ኵሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኅላዌ ንምብሳር ዝድርኾ ናይ እምነት ርግጸይናነት ዝኣምን ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ስነ ፍልጠታዊ ድልያ ውዕዉዕ ስሚዕትን ተስፈይናነትን ተኣማንነትን ዘስርጽ ኮይኑ፣ እቲ ክውንነት ንምርዳእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ እወታዊ ተራ ኣለዎ። በዚ መሠረት’ዚ እተን ናይ መድሃኒት ኢንዱትሪታት ኤኮኖሚያዊ መኽሰብ ልዕሊ ክቡር ዋጋ ሰብኣውነት ጸቕጢ ብዝገብር ኣመለኻኽታ ከይምርሓን፣ ነቶም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማሕበራዊ ውሕስነት ዘይኽበረሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ድላይ ዝግንዘብ ርትዓዊ ክኸውን ከምዘለዎ ቤተ ክርስትያን ብምትሕስሳብ፣ ንድኻታትን ንዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘኽብር ክኸውን መታን ጻውዒት እውን ከምእተቕረብ ገሊጾም፣ ስለዚህ እቲ ኣብ መንጎ ክፍሊ ዓለም ዝርኤ ኵለ መደያዊ ጋግ ክጎድልን እንተተኻኢሉ ድማ ክውግድን ብፁዕነቶም ኣተሓሳሲቦም ኣተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ነተን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባን ድኻታትን ሃገራት ከማዕብል ኣብ ዝእኽል መደብ ደገፈን ከቕርባ ይግባእ።
ስነ ፍልጠትን እምነትን መገልገሊ ሰብ ከምዝኾኑን ናይ ክልቲኦም መሠረታዊ መወከሲኦም ሰብን ክብሩን ሰብኣዊ ረብሓኡን ዝብል እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.