2012-06-05 14:04:26

ብፁዕ ኣቡነ ላሓም፦ ጉባኤ ስድራ ቤት ሚላኖ ደገፍ ንክርስትያን ስድራ ቤት ማእከላይ ምብራቕ


ኣብቲ ኣብ ሚላኖ ካብ ዕለት 30 ግንቦት ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2012 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ብናይ ዮርዳኖስ ምኽትል ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ማሩን ኤሊያስ ላሓም RealAudioMP3 ዝተመርሑ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተዋጽኡ ክርስትያን ስድራ ቤት ከምእተሳተፉ እንክፍለጥ፣ ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ካብ ናዝሬትን ፍልስጥኤምን ዝተዋጽኡ የዕራብ ክርስትያን ቤተሰብ መሪሖም ኣብቲ ጉባኤ ምስታፎም ንኣኦምን ነቶም ዝተሳተፈፉን ንመላእ ስድራ ቤት ማእከላይ ምብራቕ ቡራኬ እዩ ቢሎም፣ ንክርስትያን ስድራ ቤት ማእከላይ ምብራቕ ደገፍ ምዃኑ ሓቢሮም።
ካብ መላእ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ክርስትያን ስድራ ቤት በቲ ሓደ ዝገብሮም ኣቦን እምነት ክርስትናን ዘለዎም ሓድነት ከምዝመስከሩን፣ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ደገፍ ዝተረጋገጸሉ እዩ ምስ በሉ፣ ነቲ ሰላምን ፍትሕን ዝረሓቆ ማእከላይ ምብራቕ ተስፋ ዝህብን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ኣገዳስነቱ ዝመስከረ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዮርዳኖስን ዘለዉ ክርስትያን ስድራ ቤት ኣብ መንጎኦምን ምስ ኣባይቲ ስድራ ሰዓብቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምናን ዘለዎም ናይ ሓባር ናብራ ሰላማዊ እዩ። ኣብ ማእከላይ ምብርቕ ሰላም ክረጋገጽ ብዛዕባ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ምዝራብ ጥራሕ 60 ዓመት ተነቢሩ ኢዩ። ሕጂ ግን ዘረባ ዘይኮነ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ከምዘየለ ዝተረጋገጸ ብምዃኑ፣ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ፍትሒ ዘቐድምን ፍትሓዊ ኮይኑ ክቐርብን ክረጋገጽን ግድነት እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.