2012-06-05 14:06:14

መግለጺ ናይ ዓንቀጸ (ስርወ) እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር


“Just Love. A Framework for Christian Sexual Ethics- ፍቕሪ ጥራይ፣ ንኽርስትያን ጾታዊ ስነ ምግባር ቀጥዒ” ብዝብል ኣርእስቲ ዜጋ ሕብራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣናቴ ማርጋረት ፋርለይ (Margaret A. Farley)፣ ዝደረስኦ መጽሓፍ መሠረት፣ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኣብ ዓንቀጸ እምነት RealAudioMP3 ዝተመርኮዘ ተንታኒ መግለጺ ከምዝሃበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብሓንቲ ናይ ውፉያት ሕይወት ደናግል ማኅበር ኣባል ምስቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ እምነት ዘቕርቦ ብዛዕባ ጾታዊ ግብረ ገብ ዘነጽር ትምህርቲ ዘይሰማማዕን ዝገራጨውን ነቲ ኵላዊ ዓንቀጸ እምነት ዘይእዘዝ ፍልይ ዝበለ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመለኻኽታን ሥነ ሓሳብን መረጋግጾ ዘንጸባርቕ ኮይኑ ክድረስን ክሕተም ብሓቂ ዘጉህይ ከምዝኾነ ዝገልጽ ዘውጽኦ ምልክታ ኣብ ልዕሊ እተን ደራሲት ድንግል ምንም ዓይነት ቀያዲ ውሳኔ ዘየንበረሉ እውን እንተኾነ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ብቐጥታ ናብተን ናይቲ መጽሓፍ ደራሲት ኣባል ማሕበር ደናግል ምሕረት፣ ኣብቲ ዝደረስኦ መጽሓፍ ምስቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ጾታዊ ግብረ ገብ ክፍሊ ዓንቀጸ እምነት ዘይሰማማዕን ዝገራጨውን ሰፊሩ ዘሎ ስነ ሓሳብ ብመሠረት ናይ ዓንቀጸ እምነት ኣሪመን ከምበሓድሽ ከሕትመኦ ዝብል ውሳኔ ነዘስፈረሉ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብወገነን ኣብ ዝሃባሉ መልሲ፣ ነቲ ኣብቲ መጽሓፈን ሰፊሩ ዘሎ ጌጋ ስነ ሓሳብ ዝምልከት ብቑዕ መብርሂ ዘይህብ ከምዝኾነን፣ ብኻልእ መዳይ ነቲ ኣብቲ መጽሓፈን ሰፊሩ ዘሎ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘስመረሉ ክእረም ዝግብኦ ዝበሎም ጌጋታት ዝንከት ውሳኔኡ ዘየኽብር ዝሃባሉ ዘይብቑዕ መልሲ ተደሪኹ እቲ ዝሃበሉ መግለጺ ብወግዒ ከምዝዘርገሖ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ንናይ ጾታዊ ግብረ ገብ ጉዳይ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሸለል ዝብል ጥራሕ ዘይኮነስ ፈጺሙ ዘይእዘዞ መጽሓፍ እናቴ ፍራለይ ተኣሪሙ ከም በሓድሽ ክሕተም ከምዘለዎ ካብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝቐረበ ውሳኔ ብትኽክል ዘይተረድአ ዝሃባሉ መልሲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስታን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ግብረ ገብ ምእንቲ ሓድነት ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ እውን ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ክነሱ ሓደ ከም ካልኦት ብዙሓት ርእይቶ ከም ኣማራጺ ዝብልን ባዕላዊ ባህርይ ሕጊ ግብረ ገብ ብጌጋ ዝርዳእ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ዝተፈላለዩ ናይ ፍልስፍና ምንቅስቓሳት ከምዝኾነ ዝገልጽ ብምዃኑ ምስቲ ሓቀይናን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ቲዮሎግያዊ ትምህርቲ ዘይሰማማዕ ኣቀራርባ ዝኽተል ሓሳብ ዝስፈረሉ መጻሓፍ እዩ እንክብል ከምዝገለጾ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣናቴ ፋርለይ፣ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም (ሰበይቲ ምስ ሰበይቲ፣ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ) ሰባት፣ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒቶም ክነብሩ ኣለዎም ዝብል እሞ ልክዕ ከምቲ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ኮይኑ ሕጋውነት ክለብስ ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ክብሪ ሰብኣውነት ክኽበር ዝብል ብምስጢረ ተክሊል ግን ከምርዓውን ሕጋውነት ክለብስ ምባል ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘይቅቡልን ዘይፍቑድን ምዃኑ ነተመሓላልፎን ነተስተምህሮን ሥልጣናዊ ውሳኔ ዝጻረር እዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣቶም ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ኣድልዎን ዓመጽን ከይፍጸም ቤተ ክርስትያን ከምእተተሓሳስብን፣ ኮይኑ ግን እዞም ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ክምርዓዉ ምፍቃድ ባህርያዊ ሕጊ ዝጻረር ምዃኑ እያ እትገልጽ፣ ውሳኔ ድማ እዩ።
እዚ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዝተደርሰ “Just Love. A Framework for Christian Sexual Ethics- ፍቕሪ ጥራይ፣ ንኽርስትያን ጾታዊ ስነ ምግባር ቀጥዒ” ዘርእስቱ ንነዊሕ ዓመታት መጽናዕቲ ክገረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዕለት 29 መጋቢት 2010 ዓ.ም. ናብቲ ናይ ማሕበር ደናግል ምሕረት ጠቕላሊት ሓለቓ እናቴ ማርይ ዋስኮዊያክ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ነቲ ዝሃበሉ ትንተና መሠረት እናቴ ፋርለይ ብወገነን ዕለት 28 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ናብ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘመሓላለፈኦ መልሲ ብቑዕ ብዘይምዃኑ በቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ርክስትያን ውሳኔ መሠረት ክሳብ ዘይተኣረመ ናይ ካቶሊክ ስርወ እምነት ዝጻረር ብምዃኑ ኣብ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ከምኡ እውን ንናይ መንፈሳዊ መምርሒ ኣገልግሎት ከይውዕል ዕለት 8 ሰነ 2011 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ፍሉይ ድርገት ብዘቕረቦ ውሳኔ መሠረት ዝውጽኦ ሥልጣናዊ መተሓሳሰቢ ናብቲ ናይ ማሕበር ደናግል ሓለቓ ዋስኮዊያክ ብዝተሓላለፎ መልኽቲ እቲ መጽሓፍ ክእረም ዳግም ከምዘተሓሳሰበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ፣ ድሕሪ እናቴ ዋስኮዊያክ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓልቓ ኮይነን ንዝተመርጻ እናቴ ፓትሪሲያ መክደርሞት እውን እቲ ውሳኔ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ከምእተመሓላለፈን እናቴ ፋርለይ ግን ነቲ ዝተውሃቦ ውሳኔ ብቑዕ መልሲ ስለ ዘይሃባሉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ናይቲ ዝሃበሉ ውሳኔ ምልክታ ወግዓዊ ክገብሮ ከምእተገደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.