2012-06-02 14:56:54

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ፦ “በዓለ ስድራ ቤት”


ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ “በዓለ ስድራ ቤት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ብምቕጻል፣ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን መበል 50 ዓመት RealAudioMP3 ምሥጢረ ተኽሊል ዝኣሰሩሉ በዓል ከምዝቐደሱ ዘኪሮም፣ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ቅድሚ 50 ዓመት ዝኣሰርዎ ቃል ኪዳን ድሕሪ 50 ዓመት ልክዕ ምስጢረ ተክሊል እንክቐብሉ ዝነበርዎ መንፈስ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝሕጂ እውን ዝንጸባረቕ ኮይኑ ብምርኣዮም ብሓቂ ከምእተደነቑ ገሊጾም፣ እዚ ተመኵሩ ናይ ኩሉ ክኸውን ዝግብኦ ክነሱ ኣብዚ እነብረሉ ዘሎና እዋን ግን ፍሉይን ዘይተለምደን ተመክሮ ኮይኑ ክጥቀስ ዘሕዝን እዩ።
ብምስጢረ ተኺሊል ኣቢሉ እግዚኣብሔር ንክልተ ሰባት ብሓደ ናይ ምንባር ጸጋ ይዕድሎም። ምስጢረ ተክሊል ሓደ ሓደ ካብቲ ልሙድ ወጻኢ ዘጋጥም ኩነት እንተዘይኮይኑ ክድለይ ዝእሰርን ዝፍታሕን ቃል ኪዳን ዝንበረሉ ምርጫ ኣይኮነን፣ ናይ ምሉእ ሕይወት ጸዋዕታ እዩ። ናይ ምሉእ ሕይወት ጸዋዕታዊ ምርጫ ምንባር ከቢድ እውን እንተኾነ፣ ኣብ ሓቀይና ፍቕሪ ዝጸንዔ ብምዃኑ ዘንብሮ ጥልቂ ውህደት ፈጺሙ ኣይቅህምን እዩ። ንምሉእ ሕይወት ብሓደ ምንባር ጸጋ እዩ፣ ጸጋ ብምዃኑ ድማ ነቶም መጻምድቲ ሓላፍነት እውን እዩ። ጸጋ ህያብ እውን እንተኾነ ሓላፍነት ሒዙ እዩ ዝመጽእ ። ስለዚህ ሰብ ቃል ኪዳን ከይደኸሙ ብእምነት ዝተቐበልዎ ጸጋ ምስጢረ ተክሊል ብእምነት እዮም ክሕብሕብዎ ዝኽእሉ፣ እምነት ምስ ዝህሉ ጥራሕ እዩ ሓደ-ኣውነት ዘይብተኽ። ዕለታዊ ናብራ ብዘምጽኦ ሽግርን ስቃይን ምድንግራትን እቲ ብምስጢረ ተክሊል ዝጸንዔ ሓደ-ኣውነት ከይተበትከ ብተስፋ ንምጉዓዝ እምነትን ፍቕርን ተስፋን ምስናቕ የድሊ፣ ኣብ ምፍቃር ምድካም ከይህሉ ወይ ድማ ከይክሰት ኣብ ምፍቃርን ተኣማንነት ምዕባይ የድሊ። ኣብ ዘይምፍቓርን ምፍልላይን መን እዩ ዝኸስብ? ብኻልእ መገዲ ኣቢልካ ደስታ ምድላይ ማለት ነቲ ዝተቐበልካዮ ጸጋ ኣይፋል ቢልካ ብኻልእ መገዲ ኣቢልካ ሓጎስ ምድላይ ሓጎስካ ዘይምድላይ ማለት እዩ። ሎሚ ብተስፋን እምነትን ፍቕርን ነዚ ዝምስክሩ ዜጋታት ኣለዉ። እቲ ናብቲ ፍጹም ሓጎስ ዝተወጠረ ኣብ ግዜን ቦታን እንነብሮ ሓጎስ ከይዘልቕ ምድግጋፍ የድሊ። ኣብቲ ካልእ ቀጻልነት ሕይወት ከምዘሎ ክንርዳእ ይግብኣና ቢሎም፣ እዚ እዩ ትርጉም ናይቲ ኣብ ሚላኖ ዝካየድ ዘሎ ሻብዓይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ እክብሉ ዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.