2012-06-02 14:58:28

ሚላኖ፦ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት 2012 ዓ.ም


ዕለት 28 ሚያዝያ 1962 ዓ.ም. ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኢጣሊያዊት ጃና በረታ ሞላ ኣብ መበል ራብዓይ ምልኦ ዝተጸንሰት ኣብቲ እዋን በቲ ኣጋጢምወን ዝነበረ መንሽሮ ማሕጸን ሓኻይም ነቲ መንሽሮ ብስነ ብመጥባሕቲ ሕክምና ክኣልዩ ነቲ ጽንሲ ምንጻል ግዴታዊ ምርጫ ምዃኑ እውን እንተሓበሩወን እዚ ውሳኔ’ዚ ገዛእ ርእሰን RealAudioMP3 ናይ ሥነ ሕክምና ሊቅ ብምዃነን ሕይወተን ንምድሓን ኣማራጺ ሥልቲ ናይ ስነ መጥባሕቲ ሕክምና ምዃኑ ኣጸቢቐን ዝፈልጥኦ እውን እንተነ፣ ኮይኑ ግን ነቲ ዝተጸንሰ ሕይወት ካብ ምንጻልን ንሞት ምድራግን ነቲ ናይ ሥነ መጥባሕቲ ሓኻይም ምኽሪ ኣይፋል ምባል መሪጸን፣ ገዛእ ርእሰን ምእንቲ እታ እትውለድ ሕፃን ኣብ 39 ዓመት ዕድመኤን ዝሰውኣ ትግህቲ ኣብነታዊት ክርስትያን ምእመን ኣደ፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ 2004 ዓ.ም. ብፅዕና ከምዝኣወጀትለን እንክዝከር፣ ኣብ ሚላኖ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ዝሳተፉ ዘለዉ ቦኽሪ ወደን፣ ፒየርሉዊጂ ሞላ ኣዲኡ ናይ ሥነ ሕክምና ሊቅ ሙያኤንን ኣደ ስድራ ጸዋዕትኤንን ኣሳኒየን ንኽነብራ ዘብቅዔን እቲ ዝነበረን ነቕ ዘይብል እምነት ምዃኑ፣ ነቲ ጉባኤ ስድራ ቤት ብቐረባ ዝከታተሉ ምስ ዘለዎ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ነኣደይ ሙያን ሓላፍነትን ጸዋዕታ ኣደነት ስድራን ኣሳኒኻ ምንባር ባህርያዊ ኢዩ ኔሩ፣ ስለዚህ እቲ ሙያኣ ኣብ ኣደነት ጸዋዕትኣን እቲ ጸዋዕታ ኣደነት ኣብ ልዕሊ ሙያዊ ኣገልግሎታ ዘስዓቦ ጸቕጢ ኣይነብረን። ብዘደንቕ ሚዛናዊ ኣነባብራ ነቲ ሙያውን ሓላፍነት ኣደ ስድራን ኣብ ምንባር ዘርኣየቶ ትግሃት ንእንነብሮ ዘሎና ዓለም ሽሕ’ኳ ካብዚ ዓለም ካብ እትፍለ መበል 50 ዓመት ኣብ ምዝካር እውን እንሀሉ፣ እዋናዊ ኣብነት እዩ ኢሎም።
ብፅዕት ጃና በረታ ሞላ ቀዳመይቲ ኣደ ስድራ ብኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብፅዕና ዝተኣወጀላን ናይ ሥነ ሕክምና ሊቅን ኣደ ስድራን ከምዝኾነት ክፍለጥ እንከሎ፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስና ናይ ኩሉ ክርስትያን ሓላፍነት ምዃኑ እያ እተተሓሳስብን እተዘኻኽርን።
ናይ ሚላኖ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ንብፅዕቲ ጃና በረታ ሞላ “ናይ ዕለታዊ ናብራ ቅድስቲ” እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ፒየርሉዊጂ ሞላ ዘኪሮም፣ በቲ ናይ ሥነ ሕክምና ሊቅነት ምያኣን ከም ኣደ ስድራ እውን እትፍጽሞ ዝነበረት ኣገልግሎት ቅዝነት ኮነ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ፈጺሙ ኣየሕደረላን፣ ብፍሽኽታን ብሓጎስን እትፍጸሞ ከምዝነበረት ዝተመስከረላን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፅዕቲ ዝበለታን እያ። ኣብ 1962 ዓ.ም. ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ዕረፍታ፣ ታሪኻ ምስ ተቓልሔ፣ ኣብ ሚላኖ ሰበኻ ምእንቲ ክብራ ኣብ ዝተፈጸሙ ስነ ስርዓት ፍትሓትን ጸሎትን ዓውደ ምጽናዕትታትን ኣብ መጻኢ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኮይኖም ዝተሓርዩ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሞንቲኒ ከምእተሳተፉን፣ ታሪኻ ምስ ኣድመጹ ድማ ኣብኣ ዘሎ መኣዛ ቅድስና ተገንዚቦም ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብወግዒ ብፅዕና ክእወጀላ ዘብቅዕ ከይዲ መጽናዕት ክብገስ ከምዘተባብዑ ዘኪሮም። እቲ ናይ ኣዲኦም ኣብነት ብሓቂ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብፍላይ ድማ ምዕራባዊ ዓለም ንገዛ ርእሰይ ብሉጽ ጊዜን ስፍራን ክህልወኒ ብዝብል ፍትወት ነብሲ ምርጫ ንኣደነት ኮነ ኣቦነት ጸዋዕታን ደቅን ኣይፋል ዝብል ዝምባሌ ሰፊሑ ዝረኣየሎ ምዃኑን፣ በንጻሩ ኣዲኡ ግን ገዛእ ርእሳ ክሒዳ ነቲ ዝውለድ ሕጻን ብሉጽ ጊዜን ስፍራን ከምዝሃበት ክንገር እንከሎ፣ ከም ክርስትያን ኣማኒት ነቲ ዝተቐበለቶ ናይ እምነት ጸጋ እምንቲ ኰይናን እምነት ብዘይ እብረ ዝመስክረት ምዃኑ ገሊጾም፣ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝመስከረት እያ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.