2012-05-31 14:59:20

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት
ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፦ “ኣብ ኣባይትኹም እግዚኣብሔር ክኣትው ፍቐዱሉ”


እቲ ኣብ ሚላኖ ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2012 ዓ.ም. ዝቕጽል ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተወሰነ ሻብዓይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት፣ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንራኮ ራቫዚ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዕለት 30 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ነቲ ጉባኤ ዝከታተሉ ዘለዉ RealAudioMP3 ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደካሮሊስ ሓቢሮም።
ኣብቲ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምርኻብን ናይ ፍጻሜ መሪሕ ቃሎም ተዓዲሉ ዝጠቓለል ጉባኤ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡ ምሁራትን ሊቃውንትን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም እንክልከት፣ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላን ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኤኒዮ ኣንቶነሊ ዝርከብዎም ብዙሓት ብፁዓን ጳጳሳት ዘሳተፈ ከምዝኾነ ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም፣ ቅድሚ እቶም ሚእንቲ ዓሰርተ ሓደን ኣስተምህሮ ዘቕርቡ ዕዱማት ሊቃውንቲ፣ ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ነቲ ጉባኤ ዝኸፈቱ ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ፣ ኦሪት ዘፍጥረትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ታልሙድን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ሉተራን ኣቢይተ ክርስትያን ጽሑፋት ዝተወከሰ ዘቕረብዎ ዓሚዩቕ ኣስተምህሮ፣ ናይ ስድራ ቤት መሠረታዊ ብሉጽ ትእምርቲ ‘ቤት’ ዝብል ቃልን እቲ ቤት ፍቕርን ውህደትን ኣብ ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት መሠረቱ ዝገበረ በቶም ክልተ ዝነበሩን ብእግዚኣብሔር ሓደ ዝኾኑ ናጻ ድላይ ዝቐውም እዩ። ናይታ ቤት መናድቕ ድማ ውላድ ከምዝኾነን እቶም ወለዲ ንሕይወት ክፉታት ዘብሎም ፈራዪ ባህርይ ኣቢሎም ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ፈጣሪነት ባህርይ ዝቐርቡ እዮም። እግዚኣብሔር ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ ሰብ ፈጠረ፣ ብቛንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ሹድሽተ ምልክት ዘይፍጹምነት ከምዝኾነን ገሊጾም፣ እንተኾነ ግን በታ እግዚኣብሔር ዘዕርፈላ ሻብዔቲ መዓልቲ እትስነይ እያ። ስለዚህ እታ ቤተ-ሰብ ናብታ ናይ እግዚኣብሔር ቤት ክፍትቲ ኮይና ዝቖመት እያ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዔን ናብታ ኩርናዕ መለኮታውነት ዘእትው ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ተሎቝይቱ ከይተርፍ ዝተጸውዔ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ገሊጾም።
ኣስዒቦም ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ሚላኖ መንበረ ጥበብ ቢኮካ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ስነ ፖለቲካ መምህር ፕሮፈሰር ልዊጂ ብሩኒ፣ ኣብዚ እነነብረሉ ዘሎና ስድራ ቤትን ኣባላት ስድራ ቤት ብስነ ኣተሓሳስባ ሃልኪ ዝመዝን እዋን ተኻፊልካን ተሓሳሲብካን ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እቲ ናይ እዋናዊ ኤኮኖሚ ተኻፊልካ ምንባር ከም ድኻምነት ከምዝሓስቦን እቲ ምትሕልላይን ወይ ድማ ሓልዮት ብግልጺ እውን እንተዘይኮነ ኣብ ቁጠባዊ ትንታኔኡ ብሕቡእ ዘቃልሖ ኣመለኻኽታ እዩ። ኤኮኖምን ፍትሕን ዘጣመረ ሓድሽ ስነ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክቕም ኣለዎ።
ክልተ ዘመን ርእሰ ማልነት ዝቖሞ ናይ ክፍሊት ደሞዝ ፖለቲካ ናይ ሥራሕ ክቡር ዋጋ ዘየኽብር ጥራሕ ዘይኮንስ ዝጻረር እውን እዩ፣ ረሃጽ ሰብ ዘየኽብር ከይዲ ኤኮኖሚ ድማ ኣበይ ከምዘብጽሓና ርኡይ እዩ። ርእሰ ማላዊ ባህሊ ስራሕ ዘለዎ ክቡር ዋጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ቤተ ሰብን መዓልቲ ዕረፍቲ እውን ዘይፈልጥን ዘየኽብርን ዘይግደስን ኮይኑ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሰባትን ኣባላት ስድራ ቤትን ዘሎ ርክብ ዝሃስይ እዩ። ብኻልእ መዳይ ንሕይወት ዘይኩፉት ባህሊ ማለት ምዃኑን ንስድራ ዝወሃብ ጊዜ እውን ዝሰርቕን ዓቐንን ይኣኽለንን ዝብል ርእሰ ምቍጽጻር ዘጥፍእን ናይ ሕፃናት ናይ ምድናቕ ባህርያዊ ብቕዓቶም ዘብርስን ናይ ሰብ ውሳጣውነት ብልዑልን ፍጹምን ሓሳብባት ዘይኮነስ ብኣቝሑ ንግድ ዝተመልአ ኮይኑ ክነብርን ነቲ ብኑባሬ ዝተዓደሎ ደረት ሰገርነት ባህርይ ዘደብን ምዃኑ ከምዝተንተኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.