2012-05-29 13:39:31

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት


እቲ ኣብ ሚላኖ ካብ ዕለት 30 ግንቦት ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2012 ዓ.ም. ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝወሰንዎ ሻብዓይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣሰናዳኢት 2012 ዓ.ም. ሚላኖ ማሕበር ስድራ ቤት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኤርሚኒዮ ደ ስካልዚ ብዛዕባ እዚ ጽባሕ ዝጅመር ጉባኤ ኣምልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዕዮን በዓልን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት RealAudioMP3 ውኅደት እቲ ብቓልን ብሕይወትን ክንምስክሮ ዝግበኣና ጽባቄ ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፣ ስድራ ቤት ናይዚ ጽባኤ ቤተ ክርስትያን መግለጺ እዩ ከምዝበልዎ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ደ ስካልዚ ዘኪሮም፣ “ስድራ ቤት፦ ዕዮን በዓልን” ዝብል ናይቲ ጉባኤ ኣርእስቱ ብመራኸቡ ብዙሓን ኮነ ኣብ ብሔር ሕብረተሰብን ዓቢይ ኣቃልቦ ዝረኸበ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ እቲ ኣርእስቲ ማለት ዕዮ በዓል ስድራ ቤት፣ ኩነት ዘተ ዘቃልሕ እዩ። ምስ ኣማንያንን ኣባላት ስድራ ቤትን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት እውን እንዝትየሉን እንነጻጸረሉን ብሓባር እንዓብየሉን እዩ ቢሎም፣ እቲ ጉባኤ እተእንግድ ከተማ ሚላኖ፣ ቤተ ክርስትያን ንኹሉ እተእንግድ ምዃና ዝምስክር ምዃኑ ገሊጾም።
እቲ ጉባኤ፣ ስድራ ቤት ብሉጽ ሥፍራ ባዕላዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘመልክት ቤተ ክርስትያናዊ መዳዩን ከምኡ ድማ ስድራ ቤት ዓቢይ ሃብቲ ናይ ሕብረተሰብ ምዃኑ ኣብ ዝሕብሩ ክልተ ጎድንታት ዘስተንት ከምዝኾነን፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተፈጸመ መጽናዕቲ ስነ ሕብረተሰብ መሰረት ዝቐረበ ሰነድ “ስድራ ቤት ክቡር ዋጋን ንናይ ማሕበራዊ ጥምረትን ምዕባለን ቀንዲ ረቛሒ” ምዃኑ ዘረጋግጽ ቅዉም ነገር ዘጉልሕን፣ እዚ ድማ ሥድራ ቤት ብባህልን ኤኮኖምን ፖለቲካን ብሕጋዊ ስልጣንን ብባዕሉ ብሐብረተሰብ እውን ክድገፍ መሰሉ ከምዝኾነ ዘነጽር ሓሳብ እዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ስልጣናት ብሔር ንሥድራ ቤት ብተገዳስነትን ኣተኩሮን ክምልከትዎ ከምዘተሓሳስቡ እንክዝከር፣ በዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ቅዱስ ኣቦና ብዝለዓለ ደረጃ ስድራ ቤት ክቡር ዋጋ ከምዝኾነ ዘነጽር ምእንቲ ሓልዮ ስድራ ቤት ምኽሪ ክልግሱን ኣስተምህሮታት ከቕርቡን ዝርኤ ኢዩ፣ ስድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኅብረተሰብን ቀዳምነት ክህልዎን ክወሃቦን የተሓሳስቡ ኢሎም።
ማሕበር መጋባእያ ሥድራ ቤት ኣቦ ወንበር ፍራንቸስኮ በለቲ ብወገኖም ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤማኑኤላ ካማፓነሊ ኣብ ዝገበርዎ ቃል መሕትት፣ እቲ ኣብ ሚላኖ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ርእሰ ጉዳይ፣ ሥድራ ቤትን ግዜን ዘተሓሕዝን ኣዋን ዕዮን ስድራን ክሰማምዑ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኢዩ። እዚ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ ድማ በዓል ብዝብል ስም ክልለይ ተገይሩ ኣሎ። በዓል ክብል እንከሎ ዕለተ ሰንበት ብውሳጠ ተፈላጥነት ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ብዓለ ሊጡርጊያ፣ ካብቲ ናይ ሰሙን ዕለታዊ ናብራ ድኻምን ጾርን ዝናግፍን መንፈስን ስጋን ዝሕድስ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሕይወት ሥራሕን በዓልን ናይ ሥድራ ቤት ዘይተርፍ ተሰንዩ ዝመጽእ ሓቀይናን እወታውን ተመክሮ ሕይወት ዝምልከት ምንዃኑ የዘኻኽሩ፣ እዚ ድማ ስራሕ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘማእክለ ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን፣ ብኻልእ ጎድኑ ኣገባብ ስድራ ቤት ዝምልከት ኣውን ኢዩ። ስለዚህ ናይ ዕረፍቲ ግዜ፣ ናይ ተራኻብነትን ናይ ሕድ ሕዳዊ ተደጋጋፍነትን ሕንጸትን ዘመልክት እምበር፣ ባዶ ግዜ ወይ ድማ ብዘይ ሸቶ ዝጓዓዝ ተበጽሖ ጊዜ ዘመልክት ኣይኮነን፣ ስድራ ቤት ኣህላኺ ኣካል ጌርካ ክሕሰብ ዝገብር ናይ ምዕራብ ሃገራት ኤኮኖምን ፖለቲካውን ስነ ሓሳብን ተግባርን ዘቕርቦ ብድሆ ንምብዳህ ስድራ ቤት ዘማእከለ ፖለቲካን ኤኮኖምን ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ሥድራ ቤት ዘይተማእከለ ኣብ ሰብኣውነት ዘይማእከል ምዃኑ እቲ ናይቲ ጉባኤ ኣርእስቲ የረጋግጾ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.