2012-05-29 13:36:40

መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሲሜተ ጵጵስና ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ..


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለት 28 ግንቦት 2012 ዓ.ም. መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስሜተ ጵጵስናኦም ከምዘብዓሉ እንክንገር፣ ቅዱስነቶ ዕለት 28 ግንቦት 1977 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ናይ ሚዩኒክ ካቴድራል ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ስሜተ ጵጵስና ተቐቢሎምን ናይ ሚዩኒክና ፍሪሲንጋ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም RealAudioMP3 ከምእተሾሙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 16 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. መበል 85 ዓመት ዕድመኦምን ከምኡ እውን ዕለት 19 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረይሉ መበል ሻምብዓይ ዓመት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ከምዘብዓለት ኣመልኪቱ፣ ኣብዘን ዘብዓልወን ዓበይቲ ናይ ሕይወቶምን ናይ ቤተ ክርስትያንን ምዕራፋት ብሓቂ ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካውያን ምእመናን ቅርበትን ፍቕርን ዘስተማቐሩሉን ኣብ ሓጐስን መከራን ጸሎት መላእ ቤተ ክርስትያንን ምእመናን ውሉደ ክህነት ጉባኤ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ከምዘይፍለዮም ዘረጋገጽሉ ኩነት ከምዝኾነ ኣብዚ ንኽርስቶስን ቤተ ክርስትያኑን ኣብ ዝፍጸምዎ ኣገልግሎት ሓይሊ ቅዱስ መንፈስ ከጽንዖም ካብ ሕዝቢ ምእንትኦም ዝቐረበ ጸሎት ጽን ዝበሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ዕለት 9 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይኖም ካብ ዝተሰየሙላ ዕለት ጀሚሮም ብናይ መላእ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ጸሎት ዝተደገፉን ዝድገፉን ምዃኖ ብጥልቂ ጽን ክብሉ ከምዝኸኣሉን፣ ብቐጻልን ጽኑዕን ተኣማንን ጸሎት፣ ጎይታ ካብ መቝሕ ሓራ ከውጽኣናን ኣብ ዝኾነ ልብና ካብ ዝዕትዕት ነኻሲቶ ናይ ማእሰርቲ ጸላም ለይቲ ኣብ ዘጋንፍ እዋን ክመርሓናን ኣብ ቅድሚ እቲ ዘጋጥም ናይ ሕይወት ጸገማት፣ ንጽገትን ተቓውሞን ስደትን ኣብ ዘጓንፈና እዋን ናይ ልቢ ቅሳነት ክጽግወናን ንለምኖ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
እታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ሓደጋን ጸገምን ስግኣትን ከመይ ገይሩራ ክትላቐቅ ኣሚታ ነቲ ዘጋጥማ ኩነት ብምትንታን ሜላዊ ግብረ መልስ ዝህብ ዘይኮነስ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ጸገም ኣብ ጸሎት እትነብርን ምስ እግዚኣብሔር ርክባታ እተንቅለሉ ከምዝነበረን፣ እታ ኣብ እየሩሳሌም ዝቖመት ቀዳማይቲ ማሕበረ ሰብ ክርስትያን እግዚኣብሔር ቅድሚ ፈተና ካብ ፈተናን ካብ ስቓይን ከድሕና ወይ ድማ ዕዉት ክትኸውን ዘይኮነስ፣ ብንጽሕናን ብዘይ ሕልኽልኻትን ብነጻነትን ብትብዓት ቃል እግዚኣብሔር ንምብሳር ክትበቕዕ እቲ ቓል ከተብጽሕን እዩ ዝጸለየት፣ እንክብሉ ዕለት 18 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዘገለጹ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ዕለት 16 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ብምኽንያት መበል 85 ዓመት ልደቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌተሰማንየ እታ መራር ጽዋዕ ክሰትይ ኣብ ዝተቓረበላ ሰዓት፣ ዝረኣየ ብምዕልቕላቕ ሓሶትን ጸለምን ኣዚዩ ዝተበከለ ኩነት፣ ብመንጽር ጰራቅሊጦስ ኣብ ልዕሊ ናይ ምግምማዕ ምልክት ዝኾነ ባቢሎን ሰዓሪ ምዃኑ ብዘሎ ርጉጽነት ከምዘማዕደዎ እንክረድኡ፣ ኣብ ናይ ምድራዊ ሕይወት ፍጻሜ እውን እተኾኑ ብርሃን እግዚኣብሔር ከምዘሎ እኣምንን፣ እታ ናቱ ብርሃን ካብ ዝኾነ ይኹን ጸልማትን ደልሃመትን ዝበርትዔት ከምዝኾነትን ሰናይነቱ ካብ ዝኾነ ዓይነትን ዝኾነን ክፍኣት ናይዚ ዓለም እዚዩ ዝሓየለ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.