2012-05-28 16:51:40

ሰንበት ዘዕርገት 2004 ዓ.ም ( 5/27/2012)


ንባባት፡ ኤፈ 1፡17~23፥ 1ጴ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡1~11፥ ማር 16፡15~20 (ዕብ. 9፡24~28፥ 1፡፡19~23፡ ማቴ 28፡16~2/ ሉቃስ 24፡46~53)።
ስብከት፡ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ፥ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፥ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። እግዚአብሔር ብእልልታ ዓረገ፥ ጎይታና እውን ብመለኸት ዓረገ፥ ዘምሩ ንኣምላኽና ዘምሩ” መዝ. 47፡5~6።
መዝሙር፡ በሰንበት ዐርገ ሐመረ.. . . “ብሰንበት አብ መርከብ ደየበ ንባሕርን ንንፋሳትን ገሰጾም፥ ከምዚኸኣ በሎም፥ አብ ልብኹም ጥርጥር አይእቶ ከምቲ አቦይ ንአይ ዝለኸኒ አነ ኸአ ንአኻትኩም እልከኩም አሎኹ አብ ቤት አቦይ ብዙሕ ማኃደር አሎ እንደገና ክመጽእ እየ ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ አብ ሰማያት ምእንቲ ክትኮኑ እውን ክወስደኩም እየ”።
አብ ወንጌል ደጋጊሙ ዝውሃብ ምስሌታት ንረክብ፦ ሓደ ጎይታ አርሒቁ ዝገይሽ እሞ ነቶም አገልገልቱ ክሳብ ዝምለስ ናይ ግዝኣቱ ሓላፍነት ዝህቦም። አብ መዓልቲ ዕርገት እዚ ሓቂ እዚ አብ ግብሪ ተራእዩ። ኢየሱስ ናብ ሰማያዊ አብ አብኡ ይነቅል እሞ ንሓዋርያቱ ክሳብ ብግርማ ዳግማይ ምጽአት ናይ ኩሉ ግዝኣቱ ሓላፍነት ሂብዎም ይኸይድ። አብ ኩሎም ወንጌላውያን እንተ ረኤና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ሓዲግዎም ከምዝኸደ ነንብብ። አብዚ ናይ ፈነዋ እዋን እንርእዮ ናይ እቲ ዕርገት ከመይ ኮይኑ ከም ዝኾነ ዘይኮነ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ቅድም ዕርገቱ ዝበሎም ነንብብ። ናይ ኢየሱስ ብስጋ ምዕራጉ ዝሕብረናን ዝገልጸልናን ሉቃስ ጥራሕ እዩ። አብ ወንጌሉን አብ ግ.ሓ፥ ሉቃስ ብዛዕባ ዕርገት ይዛረብ። ወንጌል ማርቆስ አብ ምጨረሽታ ብዕርገት ብምንግር ይዛዝም። አብ ሉቃስን ግ.ሓ እንተ ረኤና ፍልልያት አሎ ከምኡ አብ መንጎ ማቴዎስን ማርቆስን እውን ፍልልያት አገላልጻ አሎና።
ንኣብነት አብ ሉቃስን ግ.ሓ. ዕርገት አብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾነ ነንብብ፥ አብ ማቴዎስን ማርቆስን ግን አብ ገሊላ ከም ዝኾነ ኢና እነንብብ። ክልቲኦም ዝሰማምዑሉ ዕርገት አብ ጎቦ ከም ዝኾነ እዩ። አብ ሉቃስን ግ.ሓ.ን ዕርገት ድሕሪ 40 መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ደጋጊሙ ድሕሪ ምርኣዩ ከም ዝኾነ ይገልጹልና። አብ ማቴዎስን ማርቆስን ብዛዕባ 40 መዓልቲ ዝገልጽ አይንረክብን። እታ መጀመርታ መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ንሓዋርያቱ ዝተራእየላ መዋዳእታ እውን እያ። ጸሓፍቲ ወንጌል ብዛዕባ ብደቂቕ ልክዕ ታሪኽ ምንጋር አትኩሮ ዝህቡሉ አይኮኑን። ንኦም ዝግድሶም ወይ አተኩርኦም አብ መልእኽቲ ምምሕልላፍ ጥራሕ እዩ።
እንታይ እዩ እቲ መልእኽቲ ኢየሱስ ብኣካል ካብኦም ክፍለ እንከሎ ንሓዋርያቱ ሓላፍነት ሂቡ ዝሓደጎ? አብ ግ.ሓ፥ አብ ወንጌልን እቲ መልእኽቲ ብዝተፈላለየ አገላልጻ ተገሊጹ ንረኽቦ።
አብ ግ.ሓሓ. “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዝወርድ ግና ኃይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም፥ አብ ኢየሩሳሌምን ኩላ ይሁዳን አብ ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸአ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም (1፡8) ዝብል ነንብብ።
አብ ማቴዎስ “እምብኣር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እና አጠመቕኩምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም። ከምኡ እውን ዝኣዘኩኹም ኩሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም። እንሆ አነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ እናበለ ተዛረቦም” (28፡19~20) ይብል።
አብ ማርቆስ “ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ፥ ንብዘሎ ፍጥረት ከአ ወንጌል ስበኹ፥ እቲ ዝአመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፥ እቲ ዘይአመነ ግን ኪዅነን እዩ። ነቶም ዚአመኑ እዚ ምልክት እዚ ኪስዕቦም እዩ፥ ብስመይ አጋንንቲ ከውጽኡ ብሓዲስ ቋንቋ ከአ ክዛረቡ አትማን ኪኅዙ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸአ ከቶ አይኪጎድኦምን እዩ፤ አእዳዎም አብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሓውዩ እዮም” (16፡15~18) ዝብል ነንብብ።
እዚኤን እየን እተን ናይ መጭርሽታ ቃላት ኢየሱስ አብ ወንጌላውያንን ግ.ሓ. ዝተጻሕፋ። ኩሎም ዝሰማምዕሉ፡ ሀ. ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክሳብ ዳግማይ ብዓቢ ግርማ ዝምለስ ተልእኮ ሂብዎም። ወከልቲ ኢየሱስ ኮይኖም ክመርሑ ከስተምህሩ ስልጣን ሂብዎም። ናይ አገልግሎት ስልጣን፥ ወኪል ብመጠኑ ሓላፍነት አልኦ ወካሊኡ ክሳብ ስወሰነሉ ሓላፍነት ክገብር ክእለት አልኦ። ሓዋርያት ነዚ ሓላፍነት ምስ ተቐበሉ አብ ኩሉ ክሰብኩ ጀሚሮም። ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እዮም ሂቦም ምኽንያቱ ሓደ እዩ ለኣኺኦም ነቲ ንሱ ዝሃቦም ሓላፍነት አብ ድለቶም ወይ ከም ዝርድኦም አየብጽሕዎን ከምዘልኦ እዮም አመሓላሊፎሞ። ንሶም ጥራሕ እዮም ነቲ ስልጣን ዝተቐበሉ ወላ እኳ ካልኦት አመንቲ እንተ ነበሩ። ናይ ኩሎም አቡናትን ካህናትን መሰረቱ እዚ እዩ። ለ. ነዚ ተልእኮ ክገብሩ ከለዉ ሰማያዊ ሓገስ ኩሉ ጊዜ ከም ዘሰንዮም አረጋጊጽዎም ከይዱ። መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝመርሖም ንመልእኽቲ ክርስቶስ እንተ አብጽሑ ምሉእ ሓጎስ አብ ልቦም ክርኤ እዩ። ንሓ እውን አብ ሕይወትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮን ዝበለናን ሕይወትና እንተ መራሕና ሓጎስ አብ ልብና ከም ዝመልኡ ርግጽ እዩ። ክንሕጎስ ንንአምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ይግብኣና።
ሓባራዊ ናይ ሓዋርያት ተእኮ እምብኣር ነቲ ሰናይ ዘና ክስብ መወዳእታ ዓለም ምብጻሕ እዩ። አብ ኩሎም ነገስታት ዓለም ክሰብኩ ንኹሉ ፍጡር ቃል አምላኽ ከብጽሑ። ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ ብንጹር ነጊርዎም። ዓለት ባህሊ ብዘየገድስ መልእኽቲ ኢየሱስ አብ አእዛን ኩሎም ሰማዕቱ ሰናይ ዜና ከብጽሕ አለዎ። አብዚ እዋና ብዙሓት አህዛብ ወንጌል አይበጽሖም አሎ እዚ ንሳቶም ነጺገሞ ክቕበልዎ ስለ ዘይደለዩድዩ? ወይስ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዘብጽሑ ከምቲ ክበጽሖ ዝግብኦ ነቲ መልእኽቲ ዘየብጽሑ ኮይኖም። አብ ገለ ሰበኽቲ ወንጌል ከም ግላዊ ዓወቶም ገሮም ንወንጌል ክሰብክዎ ከለዉ እንተ ረኤና ወንጌል ሰናይ ዜና አይኮነንን ንሰማዕቱ። አብ ሕይወትና ብወንጌል ክርስቶስ እንንየት ከም ንሕና እንገብሮ ገርና ክንሰብኮ ከሎና ዘይናቱ መልክዕን ዓለማን ንህቦ ስለዚ መልእኽቲ ወንጌል ክንሰብኽ ከሎና ብናታትና ክእለትን ድለትን ከይጽሎ ጥንቃቐ የድልየና።
አብዚ ዘመና ብዙሓት ስም ክርስትና ተጠቖሞም ከም ዝተዓወቱን አብዚ ሓጺር እዋን ንኹሉ አብ ክርስትና ክነእትዎ ኢና እናበሉ ዝጓየዩ ክንርኢ ልሙድ ኮይኑ አሎ። አብ ሓቂ እንተ ተዓዘብና ናይ ዘመና መለክዒ ካብ አምላኽ ርሒቝ ሰብ ንትምህርቲ ወንጌል ዝጻረር አብ ኩሉ እናዓበየን እናተዘርግሕን ይኸይድ ከምዘሎ እንርእዮን እንዕዘቦን ዘሎና እዩ። ናብራ ዓለም ውሒጥዎም ንአምላኽ ዘይዝክሩ ብዙሓት እዮም። ዓለምና አብ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ክልተ ዓበይቲ ውግኢ ዓለም አሕሊፋ እኳድአ በቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ሃገራት እዩ ጀሚሩ። ሕጂ እውን ድነ ውግእ አብ ኩሉ ይርኤ አሎ። እዚ ኹሉ ዝሕብሮ ንሕና ሰበኽቲ ክንከውን እሞ መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ ዝተሓረና ነብጽሖ የለናን ማለት እዩ።
ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ ናይ ሰብ ሓይልን ክእለትን አይኮነን ወሳኒኡ ዋና አለዎ ንሱ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ እናመርሐ እዩ ንተልእኮ ሓዋርያት አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ዝገበሮ። አብ ልብና ተመሊስና ነቲ ሓቀኛ ወንጌል ክንሰብኽ ኩልና ክንብገስ ይግብኣና።
ብዓለ ዕርገት እምብአር ነዞም ዝስዕቡ ክንገብር ይዕድመና።

ብዓለ ዕርገት እምብአር ክንሕደስ እሞ ምስ ኢየሱስ ጥቡቕ ሕይወት ለቢስና ናቱ ክንከውን፥ ክንንልአኾ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ መልእኽቱ ክነብጽሕ፥ ንሰባት ክሓውዩ ካብ ስጋውን መንፈሳውን ሕማም ክነጽሑ ክንሕግዞም መብጽዓና ክነሓድስ ምቹእ ኩነታት ዝፈጥረልና እዩ። አብቲ ለቢስናዮ ዘሎና ሕይወት ሓቀኛ ሕይወት ክንለብስ አሎና። አብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን ብየማን ጸጋም ዝነፍስ ካብ ሓቀኛ እምነትና ዝፈልየና ነገራት አለሊና ክንክእል። ጾግሪ በግዕ ለቢሶም ንዝመጽኡና ተዃሉ ክነለልዮም እሞ ግዳያቶም ከይንኸውን ንእምነትና ፈሊጥና ክንምስክር ከም ዘሎና ክንዝክር። አብ ሓደ እምነት ዝሓበርና ኩልና አብ መንጎና ፍሉይ ፍቕሪ ክንዘርእ እሞ ወንጌል ብፍቕርናና ሓድነትና ክንሰቦ ንጽዓር።
ኦ ኢየሱስ መድኃኒና ሎሚ እውን አብ ማእከልና አሎኻ እሞ ጓሳና ኹን አብ ኩሉ ሕይወትና ሓግዘና ጸጋን በረኸትን አብ ዓለምን አብ መላእ ሃገርና የውርደልና። ዝሓለፈ ሓሙስ ንነጻነት ሃገርና ዘክርና በዚ አጋጣሚ ሃገርና ዓዲ ሰላም ምሕረት ፍቕሪ ግበረልና። ከምኡ በዚ ዕለት አብ ሓዲስ መንበር ጵጵስናኦም ንዝአትዉ ዘለዉ አቡነ ፍቕረማርያም ምስ ሓድስ ሰበኻኦምን ክትባርኾም መንፈስ ቅዱስ ክመርሖም እናለመና ብዳግም ብሩኽ መንበርን ጵጵስናን ገሩ ንመላእ ቤተ ክርስትያና ጸጋ ዘብዝሕ ይግበረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ RealAudioMP3 RealAudioMP3 RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.