2012-05-24 13:52:56

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (23/05/2012)
“ንእግዚኣብሔር ዘይፍሉጣት ስመ ኣልቦ ኣይኮናን፣ መንፈስ ቅዱስ ኣቦ ቢልና ክንጽውዖ የስተምህረና”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለት 23 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ምእመንና ኣብ ዝተረኽብሉ “ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘማእከለ የዕሩኽ እግዚኣብሔር ክንከውን ብተኣማንነት ንኽንምሕጸኖ ክንመሃር ዝብል ሸቶ ዝገበረ ሰሙናዊ RealAudioMP3 ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና መንፈስ ቅዱስ መምህር ጸሎት ቢሎም ዝገለጽሉ ኣብ ጸሎት ዘማእከለ ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ናብ እግዚኣብሔር ንምጽላይን ናብኡ ንምጥማትን ዝተረጋገጸ ክውንነታዊ ማለት ግብራውነቱ እቲ ኣብ መንጎ ሰብን ከምኡ እውን እምነት ዘለዎ ሰብን ሰማያዊ ቤትን ዘሎ ደረት ኣልቦ ጋግ ሰብኣዊ ኣስተውዕሎ ዘንቅሎ እዩ። “ሰብ ሎሚ እቲ ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ናብኡ እንከነብል እንጥቀመሉ ኣቦ ኣብ ዝብል ቃል ዘሎ ውበትን ዕብየትን ዓሚዩቕ ትሕዝቶን ምናልባት ዘይግንዘብ እዩ ዝመስል። ናይዚ ምኽንያት ድማ ርግጽ እዩ እቶ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርኤ ዘሎ ዘይብቑዕ ህሉውነት ኣባታዊ ምስሊ እዩ። ብኩራት ኣቦ፣ ኣብ ናይ ውላድ ዕለታዊ ሕይወት ዘይምህላውን ዘይምስታፍን ዓቢይ እዋናዊ ቅልውላው እዩ። እንነብረሉ ዘሎና እዋን ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብሓቂ እግዚኣብሔር ንኣና ኣቦ ምዃኑ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብዕምቆት ንምርዳእ ዘጸግም”።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቀጺሎም ሓዋርያ ጳውሎስ ጠቒሶም፣ ክርስትያን በቲ ካብ ክርስቶስ ብዝርከብ ሓርነት ሓራ ዝወጸን መንፈስ ውላድ እምበር መንፈስ ግዙእነት ዝተቐበለ ከምዘይኮነን፣ ስለዚ ናብ እግዚኣብሔር፣ ናይቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ውሉዳዊ ባህርይ ተመሳሳሊ ዝኾነ ከምቲ ኣብ ሓደ ሕጻን ዝርአይ ባህርይ ተኣማንነት ኣቢልና ናብኡ ክንምሕጸንን ናብኡ ከነብልን ዝከኣል ዝገብሮ እቲ ናይ ጸሎት ዓቢይ መምህር ዝኾነ ከምይ ከምእንዛረብ ዝምህረና መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ዝከኣል ምዃኑ እንከመልክቱ፣ “መንፈስ ቅዱስ እቲ ደቂ እግዚኣብሔር ዝገብረና ክቡር ህያብ እዩ፣ እቲ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ንኽነብሮ ዝተጸውዖ ውሉዳዊ ጸጋ ክረጋገጽ ዘብቕዕ ምዃኑን፣ ስለዚ እምነት ክርስትያን ናይ ራዕዲ ሃይማኖት ዘይኮነስ ነዘፍቕረና ኣግዚኣብሔር ናይ ተኣማንነትን ፍቕርን ሃይማኖት እዩ”።
ከምቲ ኢየሱስ መዓጾ ሰማይ ንፍጥረት ሰብ ዝኸፈተ መንፈስ ቅዱስ መዓጹ ነፍሲ ፍጥረት ሰብ የርህው፣ ብዘይ ናቱ ረድኤት ወዲ ሰብ ክግንዘቦ ንዘይከኣሎ ከስተውዕል ይድግፎ፣ እቲ ወልድ ምስ ኣብ ዘተኣሳስሮ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ፣ ነቲ ምስ ኣግዚኣብሔር ንዝህልወና ርክብ ፍጹም ኣርኣያ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንክትንትኑ፦ “ንሱ ድማ ፍቕሪ እዩ። ኣንሕና እውን በቲ ናይ ውሉዳዊ ጸሎትና ኣቢልና ኣብቲ ነቲ ገዛእ ርእስና ካብ ምዕጻው ዝምንጭ ምልክታ ልክዕ ናይቲ ዘይተሓደሰ ኣረጊት ሰብ መለለዩ ዝኾኑ ካብ ዕጹውነትን ርእሰ-ብቕዓትነትን ንኣይነትን ዝምባሌታትናን ድሌትናን ናብ ዘንጽሕ ፍቕሪ ዑደት ንኣቱው ኢሎም”።
ኣቦነት እግዚኣብሔር እቲ ተኣምር፣ ንምዃንና መሠረት ዝኾነ፣ እግዚኣብሔር ከም ፈጣሪነቱ ንምፍጣርና ምኽንያትን ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠረና ምዃን ፍጡራውነትና ዘረጋግጹ ክልተ ጎድንታት ኣቦነት እግዚኣብሔር ገሊጾም፣ ስለዚህ ኣቦነት እግዚኣብሔር ርሑቕን ዝተፈልየን ኣይኮነን፣ ዘይፍሉጣት ስመ ኣልቦን ግኡዛን ዘይኮንናስ፣ እንታይ ድኣ ስም ዘሎና ሰባት ምዃና እንከረድኡ፣ “ብርግጽ ደቂ እግዚኣብሔር ምዃንና እዚ ውሉድነትና ከምቲ ናይ ኢየሱስ ውሉድነት ምልኣት የብሉን ኮይኑ ድማ በቢ ዕለቱ ናብኡ ኣቕኒዕናን ሸቶናን ገይርናን ኢና እንጓዓዝ፣ እዚ ጉዕዞ’ዚ ነዊሕ ናይ መላእ ክርስትያናዊ ህላዌና ጉዕዞ እዩ። ኣብ ናይ ክርስቶስ ተኸታልነትና ምስኡ ኣብ ሱታፌናን ወትሩ ናብቲ ሕይወትና ዘረጋግጽ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዘሎ ናይ ፍቕሪ ርክብ ብዑምቀትን ብውሳጣውነትን ናብ ምእታው ገጽና እናዓበና ኢና ንኸይድ” ኢሎም።
ሰብ ካብ ኣፉ ብዝወጹ ቃላት ኣቢሉ ንእግዚኣብሔር ምምሕጻንን ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ዝከኣሎ። መንፈስ ቅዱስ እዩ ብኣፍ ሰብ ኣቢሉ ናብ እግዚኣብሔር ዘብል። እቲ ብኑባሬ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ድልየት ፍጹምነት ካብ ጥንቲ ፍጥረት ልባም ሰብ ኣትሒዙ ዝነበረ ከምዝኾነን፣ ድሕሪ ግልጸት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዋሜ ቤተ ክርስትያንን እቲ ድልየት ፍጹምነት ናብ ሓድሽ ኣድማስ ዝተሰጋገረ ከምዝኾነ እንከነጽሩ፣ “ኣብ ውሻጠናን ጽምዋናን ብእርኑብ ኣተኵሮ ናብ እግዚኣብሔር ክንጽሊ እንከለና ንበይንና ኣይኮንና። ምስ እግዚኣብሔር ዝዛረብ ንበይኑ ኣይኮነን፣ ኣብቲ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስትያን ጸሎት እዩ ዝሓብር። ናይቲ ኣብ መላእ ዓለምን ፋሕ ኢሉ ናይ ዘሎን ናይቲ ናይ ኵሉ ኣዋን ናብ እግዚኣብሔር ኩለንተናኡ ናይ ዘቕንዕ ማሕበረ ክርስትያን ዓቢይ ውሁድ ቅንይት ኣባላት ኢና። ስለዚህ ኣብ ዝኾነ ይዅን ኣዋንን ኵነትን ኣቦ ቢልና ንእግዚኣብሔር ክንጽውዕን ክንጽልን ኩሉ ኣብ ጸሎት ዘሎ ማሕበረ ሰብ ማለት ቤተ ክርስትያናውነት ይንበር፣ ጸሎትናን ልመናናን ብኣኣ (ብቤተ ክርስትያን) ይድገፍን ናታ ጸሎት ድማ ይኸውን” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም፣ በቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ዓለም ሓቆፍ ቋንቋታት ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ድግማ ጽማሬ ሓሳብ ኣስሚዖም፣ ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.