2012-05-19 15:31:43

ዓውደ መጽናዕቲ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ፦ ስነ ጥበብን ጽባቔን ደረት ሰገርነትን


ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ካብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ መጽናዕትን ፍልጠትን ከምኡ እውን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን መልስታትን ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነት ምርምርን ዘሎ ዘተን RealAudioMP3 ዘይምንጽጻግን ማለት ክውን መሠረታዊ ጥምረት ንምትንታንን ንምዝታይን “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ኣብ ቦሎኛን ፓሪስን ቡካሬስትን ፊረንዘን ሮማን ቲራናን ኣብ ፓሌርሞ ከተማ ድሕሪ ዘካየዶም ዓውደ መጽናዕትታት ቀጺሉ ካብ ዕለት 17 ግንቦት ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ስነ ጥበብን ጽባቔን ደረት ሰገርነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣማንያንን ኢኣማንያን ዘሳትፍ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።
ውበትን/ውህበትን ስነ ውበትን ንዓለም ከድሕን ይኽእል ዶ? ኣብ ዝብል ናይ ዶስቶየቪስኪ ታሪኻዊ ክቡር ሕቶ ዘማእከለ ኣብ ብሔራዊ ቤተ መዘክር ስነ ጥበብ ካታላና ብናይ በትሆቨንን ሹበርትን ውሁድ ጥዑም ቅንይት ድርሰት ሙዚቃ ዝተሰነየ ነቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሳግራዳ ፋሚሊያ ብኣንቶኒዮ ጋውዲ ተነዲፋ ዝተሕንጸ ቤተ መቕደስ ምስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ሊቃውንቲ ፍልስፍናን ስነ ጥበብን ኣብ መንጎ ስነ ጽባቔን ስነ ምግባርን ምትእስሳር ከምዘሎ እንክትንትኑ። ጽባቔ ገላጺት እግዚኣብሔር እያ። ስለምታይሲ፣ ጽባቔ ከም እግዚኣብሔር ጽቡቕ ተግባርን ንጽሕትን ብነጻ ዝተዓደለትን ናብ ነጻነት እትዕድምን ካብ ንኣይነት እተናግፍ እያ ዝበልዎ ሓሳብ ዘቓልሕን ምርኢት ስነ ጥበብ ምስ ተመረቐ፣ ቀጺሉ ኣብቲ ሕቶ ዘማእከለ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ ባርቸሎና ዝርከብ መንበረ ጥበብ ከምእተኻየደ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።
ነቲ ናይ ዶስቶየቪስኪ ሕቶ ካብ ጵላጦስን ክሳብ ቪተንገስታይን ካብ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ብዘሎ ፍልስፍናውን ቲዮሎግያውን ትንታኔ መሠረት ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎግያን ሊቅ ፕሮፈሰር ፍራንሰስ ዶራልባ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን፣ ኣብ ምዕራባዊ ባህሊ ጽባቔ ምስ ዋህነት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነን፣ ጽባቔ ስምረት/ሓደ-ኣውነት ማለት ምዃኑን፣ እዚ ድማ ውህድ ቅንይት ብዙህነት ማለት እዩ። ጽባቔ ሓቅነት ማለት ምዃኑ እንክገልጹ፣ ሓቂ ምህርቲ ብልሓት ኣእምሮ ሰብ ዘይኮነስ (ዝጽገው) እትራኸቦ እዩ። ብተመሳሳሊ መልክዕ ውበት/ጽባቄ ግድነት ማለት ዘይኮነስ ውህበት ማለት እዩ እንክብሉ ተንቲኖም፣ ኣቲ ኵሉ ጽባቔ ዓለም ናይቲ ኢትኣላውነት ጽባቔ እዚኣብሔር ነጽብራቕ እዩ ከምዝበሉ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ኣስዒቦም፣ ኣብ ኢጣሊያ ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፔንዛ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ስነ ጥበብ ስነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣለሳንድሮ ዙካሪ ኣብ ናይ ካራቫጆ ናይ ስነ ጥበብ ቅብእንታት ዝግለጽ ሃይማኖታውነት/መንፈሳውነትን ጽባቔን ዘሎ ርክብ ኣማእኪሎም ካራቫጆ ኣብ ደረት ሰገር ምዃንነትን ሓሳብን ስነ ጽባቔ ጥሒሎምን፣ ኣብ ሰብ ኣርኣያን ምስልን እግዚኣብሔር ኣብ እግዚኣብሔር ድማ መልክዕን ሰብ ዝደለየ ምዃኑ ገሊጾም፣ በዚ መሰረት ነቲ ናይ ዶስቶየቪስኪ ሕቶ ተርጒይሞም ፈረንሳዊት ፈላስፋ ሲሞነ ዋይል ጽባቔ ትስብእትነት ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጽ ተመኵሮ እዩ ቢለን ዝገለጸኦ ሓሳብ ጠቒሶም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘጠቓለሉ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.