2012-05-19 15:29:57

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ድኻታት ሃገራት ዳግም ተሓዲሱ ክሰፍሕ


መበል 40 ዓመት ማሕበር ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ዓለም (Opam) ምስረታ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነብረሉ ናብቲ ማኅበር ኣቦ ወንበር ኣባ ኣልዶ ማርቲኒ “ወፈራ መሃይማነት ምጥፋእ ኣብ ድኻታት ሃገራት RealAudioMP3 ዳግም ተሓዲስ ክሰፍሕ” ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ዘማእከል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ብሓድሽ መንፈስ ተነቓቒሑን ኣብተን ዘይምቹእ ኩነት ኣዚዩ ዝሰፍሓለን ድኻታት ሃገራት መደብ ሕንጸት ዘተባብዕ ደገፍ ብሃብትታት ኅብረ ባህልን በቲ ኣብ መንጎ ናይ ከባቢታት ኣቢያተ ክርስትያን ዝርኤ ናይ ሕውነት መንፈስ ተሰንዩ ክረጋገጽ ከምዘተሓሳሰቡ ኣመልኪቱ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም ተግባር ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ዓለም (Opam) ብዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምሥረታኡን ኣገልግሎቱን ምኽንያት “ናይ ተነቃፍነት ሰብኣውነት፣ ኣብነት ካብ ደቡባዊ ክፍሊ ዓለም” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ዝተመርሔ ኣብ ሮማ ካብ ትማሊ ዘጀመሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓለም ለኻዊ ዓወደ መጽናዕቲ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 2/3 ብደቂንስትዮ ዝሽፈን ብጠቕላላ 790 ሚሊዮን እዅል ክፍሊ ኅብረተሰብ ዓለም ኣብ ኩነት መሃይምነት ከምዝርከብን፣ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት መሃይመነት ካብ ዘየጥፍኡ ክፍሊ ኅብረተሰብ ብጠቕላላ 85 ካብ ሚእቲ ብደቀንስትዮ ዝሽፈን ምዃኑን 67 ሚሊዮን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡን፣ 72 ሚሊዮን ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሕሉ ዕድመኦም ገና እቲ ናይ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ዘይረኸቡ ምዃኖም ተግባር ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ዓለም (Opam) ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።
እዚ ኣብ ዓለም ዝርኤ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ጉድለትን ሳዕቤናቱን ክወገድ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ግብረ ሰናይ ማኅበራታ ኣቢላ እተበርክቶ ኣገልግሎት ክሰፍሕን እናተሓደሰን ምስ ኣዋናዊ ጭቡጥ ኩነት እናተመዓራረየ ሰብኣውነት ብዘማእከለ ኣመለኻኽታ ከምእተቕርብ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣፍሪቃ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ርክስትያን ኣብ ዝለገስዎ Esortazione Apostolica Africae Munus-ኣፍሪቸ ሙኑስ (ኣፍሪቃዊ መብጽዓ) ሓዋርያዊ ምዕዳን” መሃይምነት ካብቶም ንምዕባለ ዝገትኡ መሰናኽላት እቲ ዝዓበየ ምዃኑን፣ እዚ ስቓይ ምስቲ ሃገር-ከተት ሕማም ዝመሳሰል እዩ። ርግጽ እዩ ብቐጥታ ዝቐትል እውን እንተዘይኮነ፣ ኮይኑ ግን ብቐጥታ ናብ ፍልጠት ምዕባይ ከይዲ ዝዕንቅ ነቲ ቅርጺ ማኅበራዊ ሞት ተባሂሉ ንዝልለይ ሓደጋ ተነጽሎ ካብ ሕብረትሰብ ዘቃልዕ እዩ” ቢሎም “መሃይምነት ምጥፋእ ውልቀ ሰብ ንሓደ ዜጋ ብምሉእ መሰል እጃሙ ነዘበርክተሉ ኅብረተሰብ ኣካል (ብሔረ ኣካል) ክኸውን የብቅዕ፣ ከምኡ ኣውን ክርስትያን ነቲ ክግመት ዘይከኣል መግቢ እምነት ናብ ዝኾነ ክቡር ቅዱስ መጽሓፍ ዘቕርብ እዩ”። እንክብሉ ከምዝገለጹ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.