2012-05-19 11:23:00

ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ሮቡዕ ከም ወትሩ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝሀቡ ክዝከር ከሎ ፡

ናይ ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ፈጻሚ አካል ብናይ ካሪታስ ፕረሲደንት ብብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገጽ ማራዲያጋ ተመሪሖም ነቲ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝተኸታተልዎ ክፍለጥ እንከሎ በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ ካሪታስ ኢንተናጽዮናሊስ አመሐደርቲ ሰላምታ አቅሪቦምሎም ።

አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ቅዱስ ጰጥሮስ ተረኺብኩም ንትምህርተ ክርስቶስ ምክትታልኩም የመስግነኩም እዚ ምስ ወኪል ቅዱስ ጰጥሮስ ዘለኩም ሕብረት የመልክት ብማለት በነዲክቶስ መበል 16 ገሊጾም ።

ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ አብ ዙርያ ዓለም ንጽጉማት ዝህቦ ሰብአዊ ሐገዝ ዝምስገንን ዝንአድን ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ናይ ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ፕረሲደንት ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገጽ እቲ ሰብአዊ ካቶሊካዊ ማሕበር ንሰደተኛታት ደቀንስትዮ አብ ምሕጋዝ ተጸሚዱ ከም ዘሎ አገንዚቦም።

ደቀንስትዮ ናይ በብዓይነቱ ግዳያት ከም ዝኾና ጠቂሶም ክአ ክብሪ ደቀንስትዮ ምግሀስ ክብሪ ስድራ ቤትን ሕጻናትን ምግሀስ ከም ዝኾነ ናይ ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ፕረሲደንት አመልኪቶም።

አብ ቤተ ሰብ አብ ማሕበረ ሰብን ሕብረተሰብን ጓለንስተይቲ ማእከላዊ ጊደ ከም ዘለዋ አመልኪቶም መሰላ ክግሀስ እንከሎ ብሐፈሻ ክብሪን ግርማን ወዲ ሰብ ይገስን ይቅንጠጥን ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢሎም ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገጽ ማራዲያጋ ።

ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክብርን ግርማን ሰብ ክግሀስ ከም ዘይብሉን ክብርን መሰልን ወዲ ሰብ ምዕቃብ ንቤተ ክርስትያን እቲ ዝልዓለ አቃልቦ ዝገብረሉ ከም ዝኾነ ክአ ብተወሳኺ ገሊጾም።አብዚ ግዜ”ዚ ብጠንቂ ዓለም ለኸ ኤኮኖምያዊ ቅልዋላው ስደተኛትታ ይሽገሩ ከም ዘለዉ ጠቂሶም ፡ ብዓይኒ ቤተ ክርስትያን ስደተኛታት ከምቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱስ ዮሴፍን ዘጋጠሞም ስደት ከም ዝኾነ ክአ ገሊጾም።

ስደተኛታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሀገሮምን ባህሎምን ገዲፎም ዝስደዱ ሰባት ድአምበር አብ ገለገል ሀገራት ከም ዝርኤ ናይ ካልኦት ሰባት ስራሕ ዘሕድጉ ጸገም ዝህቡ ከም ዘይኮኑ ምርዳእ ከም ዝግባእ ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገጽ ማራዲያጋ አመልኪቶም።

ሙያ ካሪታስ ኢንረናጽዮናሊስ ንዝተጸገመ ህዝቢ ሰብአውዊ መንፈሳውን ንዋታውን ሐገዝ ምቅራብ ድኽነት ንግርማ ወዲ ሰብ ክቅንጥጦ ከም ዘይብሉ ምጥባቅን ምዕቃብን ከም ዝኾነ ክአ አተሐሒዞም አገንዚቦም።ሰብ ዝፈጥሮን ተፈጥሮአውን መቅዘፍቲ ክኽሰት እናከሎ ካሪታስ ኢንተናጽዮናሊስ ሰብአዊ ሐገዝ ምቅራብን ንዝሐዘኑ ምጽንናዕን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ አውራ ስርሑ አብ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.