2012-05-12 14:27:40

ኢትዮጵያ፣ ብስም ቅድስቲ ባኪታ እትጽዋዕ ሓዳሽ ቤተ ክርስትያን


ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራባዊ ከባቢ ኣብ እትርከብ ሰበኻ ጋምቤላ ብስም ሱዳናዊት ቅድስቲ ባኪታ እትጽዋዕ ቤተ ክርስትያን ሕንጸት ከምዝተጠናቐቐ ናይ ጋምቤላ ሰበኻ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ RealAudioMP3 ኣንጀሎ ሞረስኪ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እዛ ካብ ጋምቤላ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ቡንጋ ጋምቤላ ዝተሓንጸት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ባኪታ፣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበርሰብ 5 ሺሕ ዜጋታት ብዘይ ናይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ማእከል መራኸቢት ከምእትኸውን ኣመልኪቱ።
ሰበኻ ጋምቤላ ነቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ካብ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ወጻኢ፣ ነቶም ካብ ደቡብ ሱዳን ብውግእ ምኽንያት ዝመዛበሉ ብፍላይ ድማ ካብ ጁንግለይን ከባቢ ላዕላይ ናይልን ዝመዛበሉ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን መንፈሳውን ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት እውን ዝተዋፈረ ሰበኻ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ሞረስኪ ከምዝገለጹ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.