Home Archivio
2012-05-12 14:23:52
ምእንቲ ክብሪ ቅዱስ ኣቦና ገጸ በረከት ካብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር
ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ንዝኽሪ መበል ሻብዓይ ዓመት ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምኽንያት ብኢጣሊያዊ ናይ ቅንይት ውሁድ
ሙዚቃን ጉጅለ መራሒ መምህር ሪካርዶ ሙቲ ዝተመርሔ ብናይ ሮማ ትያትር ቤት ውሁድ ሚዚቀይና ጉጅለን መዘምራንን ትማሊ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብኣንቶኒዮ ቪቫልዲ ዝተደረሰ ሙዛቃ ዝተሰነየ “Magnificat-ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም”፣ ብጁዘፐ ቨርዲ ዝተደረሱ ሙዚቃታት “Stabat Mater-እመ ወድንግለ ጽሙረ”፣ “Te Deum-ስብሓት ለእግዚኣብሔር” ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.