2012-05-12 14:23:52

ምእንቲ ክብሪ ቅዱስ ኣቦና ገጸ በረከት ካብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር


ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ንዝኽሪ መበል ሻብዓይ ዓመት ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምኽንያት ብኢጣሊያዊ ናይ ቅንይት ውሁድ RealAudioMP3 ሙዚቃን ጉጅለ መራሒ መምህር ሪካርዶ ሙቲ ዝተመርሔ ብናይ ሮማ ትያትር ቤት ውሁድ ሚዚቀይና ጉጅለን መዘምራንን ትማሊ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብኣንቶኒዮ ቪቫልዲ ዝተደረሰ ሙዛቃ ዝተሰነየ “Magnificat-ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም”፣ ብጁዘፐ ቨርዲ ዝተደረሱ ሙዚቃታት “Stabat Mater-እመ ወድንግለ ጽሙረ”፣ “Te Deum-ስብሓት ለእግዚኣብሔር” ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.