2012-05-10 14:35:32

ዕለት 9 ግንቦት መዓልቲ ኤውሮጳ


ትማሊ ዕለት 9 ግንቦት ዓመታዊ መዓልቲ ኤውሮጳ ከምዝበዓለ ክፍለጥ እንከሎ፣ በታ ዕለት ምኽንያት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝሓቁፍ RealAudioMP3 ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር አርዶ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ከምዝቐረበ ተገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ትማሊ ንጎሆ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር አርዶ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 7 ግንቦት ክሳብ ዕለት 9 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 12 ናይ ኤውሮጳ ጉባኤ ትምህርተ ክርስቶስን ከምኡ እውን ናይ መላእ ሃገራት ኤወሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝሓቍፍ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ መርበብ ሓበረታን ኣመርኵይዞም ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምኽንያት ብዛዕባ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤውሮጳ ዝተኻየደ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ ከምዘቕረቡ እውን ተመልኪቱ ኣሎ።
ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ዓቢይ ኩነት ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ኣብ ዓለም ብዝረከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝተተርጎመን ብምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልኦት ሃይማኖታት እውን ኣቃልቦ ዝረኸበን ርእሰ ጉዳይ ዓውደ መጽናዕትታት እውን ከምዝኮነን ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕራብ ኵላውነታ ትምስክር ኣላ ኢሎም።
ዝርጋሔ ኣስተዋጽኦ መዝገብ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እውን እዚዩ ልዑል ከምዝኾነን በዚ መሠረት ድማ ንናይ ስነ ሃይማኖት ትምህርቲ ዝበቕዑ መጻሕፍቲ ንምድላው እውን ከምዝሓገዘ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.