2012-05-05 14:57:40

ዓለም ቅዱሳት ካህናት የድልይዎ


ኣብዚ ብስቓይን መላእ ኣቃልቦ ብዝውጥጥ ኣስጋኢ ኵነት ኣዚዩ ዝጉዳእ ኣብ ዘሎ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ክርስቶስ ነባሪ ውህደት ዘለዋ ቤተ ክርስትያን ከምእተድልን፣ ካህናት ነታ ዘይብተኽ ምትሕቑቛፍ ምስ ክርስቶስ ዘለዋ ቤተ ክርስትያን ከምኡ እውን ንዓለም ከገልግሉ ቅዱሳት ክኾኑ ይግብኦም ዝብል ሓሳብ RealAudioMP3 ዘማእከል ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ክታም ዝተነበረሉ ናብ መላእ ካህናትን ዝተመሓላለፈ ምለእኽቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ኣብታ ናብ መላእ ካህናት እትብል መልእኽቶም፣ ናይ ገለ ገለ ውሑዳ ኣባላት ውልዱ ክህነት ዝፈጸምዎ ገበን ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዓለም ንክህነት ዘሕስር ኮይኑ ከምዘሎን ገሊጾም፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2002 ዓ.ም. ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ዝተፈጸመ ናይ ግብረ ስጋ ዓመጽ ኣማእኪሎም፣ “መላእ ውሉደ ክህነት በቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣሕዋቶም ነቲ ዝተቐበልዎ ጸጋ ብምኽሓድ ኣብ ልዕሊ ምስጉንን ንኡድን ኣገልግሎት ካህናት ጥርጠራን ጸለምን ዘስዕብ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝፈጸመዎ ናይ ግብረ ስጋ ዓመጽ ኣዚዮም ከምእተናወጹን ብቓላቶም ዝመስከርዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህንነ ዝተፈጸመ ናይ ግብረ ስጋ ዓመጽ ንቤተ ክርስትያንን መላእ ውሉደ ክህነትን ዓቢይ ሓዘን ዘስዓበ ክነሱ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ኣቀራርባኡ ግን ነቲ ሰብኣዊ ርክባት ኣዚዩ ከምዝሃሰዮን ኮይኑ ኣዩ ዝተረኽበ፣ እዚ ኩነት’ዚ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎን ዝገለጽዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ቃል፣ ኣብ መላእ ልቢ ዳግም ጽን ዝበሃልን ሕጹጽን ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ የነጽር ኢሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ካብ ጣዕሳን ምሕረትን ኩሉ ምሕዳስን ምልዋጥን ዝብገስ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ነቲ ብሉጽን ፍጹምን ውበትን ውህበትን ምዉቕ ስምዒትን ናይ ቅድስቲ ስላሴ ግልጸት ኣይፋል ካብ ምባል ምርጫን ጽን ካብ ዘይምባልን ምርሳዕን ብዝወልዶ ኢእግዚኣብሔርነት ባህሊ እዚዩ ዝተጎድኤ ምዃኑ ገሊጾም፣ ካህናት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ብዝፍጽምዎ ኣስተንትኖን ጸሎትን ዕለታዊ ብዘዕርግዎ ምስዋዕተ ቅዳሴን ዕለታዊ ኣገልግሎቶምን ናብ ኩሉ ልቢ ክበጽሑን ዅሉን ምእመናን ገጽ ውልደ እግዚኣብሔርን ቀጻሊ ህላዌኡን ንኸለልዩ መንቀሊ ናብ ዝኾኖም ሱታፌ ቅድስቲ ስላሴ ክመርሑ ዝተጸውዑ ኢያቶም ቢሎም፣ በዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ እዩ ድማ ካህን ንናይ ዘመንና ፍጥረት ሰብ ምዃኑን ናይ ሰብኣዊ ርክባቱን ማሕበራዊ ሕይወቱን ናይ መላእ ፍጥረት ሸቶን ትርጉም ልዑል ክብሩ ብሓድሽ መንፈስ ከቕርብን ክምስክርን ዝኽእል ኢሎም።
ንሕና ማኅበረ ክርስትያን ንዓለም ብእንምስክሮ ባህርይ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ማለት ‘ፍቕሪ ብዝኾነ ሓደ ኣምላኽ እኣምን’ ብዝብል ተኣምኖ፣ እንተድኣ ዘይንድነቕን ውሽጥና ብሓድሽ መንፈስ ዘይትንከፍን ኮይኑ ሓድሽን ዳግማይን ኣስፍሆተ ወንጌል ዝከኣል ኣይክኸውንን እዩ። ቤተ ክርስትያን እዚ ተልእኾ’ዚ ብምልኣት ክትፍጽሞ ዘብቕዓ ዘይብተኽ ምትሕቑቛፍ ምስ ክርስቶስ ምስ ዝሕልዋ ጥራሕ ምዃኑን እዛ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነብሩን ሕጉሳት መሰኻኽር ፍቕሪ ቅድስቲ ስላሴ ዝኾኑ ቅዱሳት ካህናት የድልይዋ፣ ካህናት ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ንኸገልግሉ ቅዱሳት ክኾኑ ይግብኦም፣ ካህን ንናይ ኣሕዋቱ ቅድስና ዘይዕጠቕ እንተድኣ ኮይኑ ንናይ ገዛእ ርእሱ ቅድስና ኣውን ክተግህ ኣይክእል፣ ካህን ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድስና ከይተገሄን ንናይ ኣሕዋት ጸዋዕታ ቅድስና ከገልግል ኣይክኣሎን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.