2012-05-03 15:15:12

ፈረንሳይ፦ መብርሂ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ልክዕ ከምቲ ኵሉ መዛረቢ ርእሰ ጉዳይ ዝገብሮም ፖለቲካን ስፖርትን ብዙሓት ዝዛረብሉ ክኸውን እንከሎ፣ ኣዕሚቖም ዝፈልጥዎ ውሑዳት እያቶም፣ ዝብል RealAudioMP3 ሓሳብ ዝሰፈሮ ሓደ ናይቲ ኣብ ፈረንሳ ዝሕተም ላ ክሩዋ እተሰምየ ካቶሊካዊ ዕለታዊ ጋዜጣ ስሞም ዘይጠቀሱ ኣንባቢ እታ ካቶሊካዊት ጋዜጣ መዝገብ መብርህን ታሪኻዊ መስርዕ ግዚኣውን እማረን ሸቶን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘረድእ ዘውጽኦ ዓሚይቕ ጽሑፍ ከምዘመስገኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ እንከመልክት፣ እቲ ላ ክሮዋ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዘውጽኦ መዝገብ መምርሒ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣዚዩ ኣገዳስነት ዘለዎን ካብቲ ገለ ገለ ሓሳባት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብቑንጸላ ካብ ምቕራብ ዝገላግል ምዃኑን፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዕምቀት ንምፍላጡ ዝመርሕ ሰፊሕ ካብ ብርሃነ ኣሕዛብ ክሳብ ቃለ እግዚኣብሔር ዝብሉ ውሳኔታት ዝትንትን ብሊቃውንቲ ሲኖዶሳት ዝተዋጽአ መቕድም ከምዝኾነ እውን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.