2012-05-03 15:11:57

ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም ምልኣተ ጉባኤ ፍጻሜ


ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዕለት 1 ሚያዚያ 1963 ዓ.ም. ዝደረስዋ ንንባብ ካብ እትበቅዕ መበል 50 ዓመታ ዝዝከር ዘሎ “Pacem in Terris - ሰላም ኣብ ምድሪ” ኣብ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቲ ዘማእከለ ካብ ዕለት 27 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 1 ግንቦት 2012 ዓ.ም. RealAudioMP3 ኣብ እዋናዊ እማረ “ሰላም ኣብ ምድሪ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽትን ሸቶን፣ ብሓፈሻኡ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ትንታኔታት ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ዘካየዶ መበል 18 ምልኣተ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሕንጻ ወግዓዊ መግለጺ ከምእተወሃበሉ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።
ዓዋዲት መልእኽቲ “Pacem in Terris - ሰላም ኣብ ምድሪ” ሎሚ እውን ካብቶም ዓንዲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ትምህርቲ ሰረት እምነት ሓደ ከምዝኾነትን፣ ሓቅን፣ ነጻነትን ምትሕብባርን ፍትሕን ዝብሉ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝዘርዘርዎም መሰረታዊ ክቡራት ዋጋታት ድሕሪ 50 ዓመት ሎሚ ኣውን ንናይ ሎሚ ሰብ ሓደስቲ ናይ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን ምልክታ ከለልይ ዝድግፍ ከምዝኾነን፣ እቲ ዝተኻየደ ምልኣተ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዲጆነ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮላንድ ሚነራዝ ሓደ ካብቶም መስራቲ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም፣ ኣገዳስነት ማሕበራውን ስነ ፍልጠታዊ ምዕባለ ተንቲኖም፣ ግቡእን ብቝዕን ዝኸውን ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተማእከለ ምስ ዝኸውን ጥራሕ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብፍላይ ብመንጽር እቲ ዝተኸስተ ገና መፍትሒ ዘይተረኸበሉ ነቲ ዓለማውነት ምትእስሳር ፍሉይ መገልጺኡ ዝኾነ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ክንርእዮ እንከለና እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም እዚያ ኣገዳሲት ምዃና ንግንዘብ እንክብሉ፣ ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም ኣቦ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ሻንቸስ ሶሮንዶ ብወገኖም፣ እማረ’ታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ሥርዓት ተግባራዊ ምስ ዝኸውን ብሓቂ ሰላም ከምዝረጋገጽ ዘየጠራጥር እዩ ኢሎም። ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ኣብ ሶዛና ዝርከብ ናይ ስነ ጥበብ መንበረ ጥበብ መምህር ማርጋረት ኣርኸር፣ ሰላም ከም ሓባራዊ ክቡር ዋጋ በቲ ሎሚ ምሕደራ ዓለማዊ ምትእስሳር ኣካል ምርግጋጽ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ስለዚህ ባህልን ሓበሬታን ንእወታዊ ምዕባለ ሕብረተሰብ ኣዚዮም ኣገደስቲ ረቛሒታት ምዃኖም ተንቲነን፣ ዝርጉሕ ማሕበራዊ ፍልጠት ጥርሕ ኢዩ ንናይ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ሓደ ሕብረተሰብ መሠረት ቅኑዕን ትኽክለይናን ምዕባለ፣ እዚ ድማ ንኣስፍሆተ ወንጌል ልሙዕ መሬት እዩ እንክብላ ከምዝገለጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.