2012-05-01 13:52:51

“ንዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን”
ራብዓይ ርክብ ኣብ ናይ ባህሊ ሰይንት ልዊስ ደ ፍራንስ ተቛም


ሮማ ኣብ ዝርከብ ባህላዊ ተቛም ሰይንት ልዊስ ደ ፍራንስን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈረንሳ ልኡከ መንግሥትን ኣብ ሮማ ግዳመ ግዝኣታዊ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥብብ ብምትሕብባር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ንዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን” RealAudioMP3 ብዝብል ኣርእስቲ ዝተምፈርሔ ታሪኻውን ቲዮሎጊያውን መዳያቱ ዝድህስስ ዕለት 3 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ዝጀመሮ ሽዱሽተ ርክባት ዘጠቓለለ ዓውደ መጽናዕቲ ብምቕጻል፣ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ መደብ ራብዓይ ርክብ ዕለት 26 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ባህሊ ተቛም ሰይንት ልዊስ ደ ፍራንስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዓንቀጸ ሃይማኖታዊ ድንጋገ ብዛዕባ መለኮታዊ ክስተት “Dei Verbum-ቃለ እግዚኣብሔር” ኣማእኪሉ ከምዘካየደ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዳቪደ ማጆረ ኣመልኪቶም።
ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ራብዓይ ርክብ ኣመልኪቶም ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ሃብትታት ባህልን ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ መምህርን “Dei Verbum-ቃለ እግዚኣብሔር”ን ቅድሚ ኣዚ ውሳኔ ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ዘሎ ርክባትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ኣባ ኖርማን ታነር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕረቦ ብዛዕባ መለኮታዊ ክስተት ቃለ እግዚኣብሔር ድንጋጌ ንናይ ትረንቶ ጉባኤ ዝኽተል ኮይኑ ምስ ቅዱስ መጽሓፍን ባህልን ዝተኣሳሰረን ቃለ እግዚኣብሔርን ትውፊትን እንኮ ምንጪ ክርስቶስን፣ ኣካል ክርስቶስ፣ ምስጢረ ክርስቶስ ብቕዱስ መጽሓፍን ብትውፊትን ከምዝተመሓላለፈልና ዝገልጽን፣ ኣብ መንጎ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ሕድ ሕዳዊ ዘይቋርጽን ዓሚዩቕን ውሽጣዊ ምትእስሳር ከምዘሎ ዘረጋግጽን፣ ስለዚህ እዞም ምንጭታት ክልተ መትረብን ወይ ድማ ክልተ ናጻ ምንጭታት ኣይኮኑን።
እቲ ናይ ዘመናውነት ቅልውላው እንክንሓስብ፣ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሥነ ትንተና ሊቃውንትን ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ትምህርትን ንዝነበረ ዘይምርድዳእ የዘኻረና፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ነቶም ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ተመራመርትን ስነ ትንተና ሊቃውንትን ኣብ ስነ ፍልጠትን ስነ ምርምርን መዳይ ናጻ እዮም እንክብል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይገልጽ፣ ኮይኑ ግን ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ውሳኔ ዘኽብር መገዲ ዝኽተል ክኸውን ኣለዎ ይብል።
ዓንቀጸ ሃይማኖታዊ ድንጋገ ብዛዕባ መለኮታዊ ክስተት “Dei Verbum-ቃለ እግዚኣብሔር” ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን ንውህደት ኣሚቱ ንዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ መሠረታት ሓደ እዩ። ንተመራመርቲ ቅዱስ መጽሓፍን ሊቃውንቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘተባብዕ ኮይኑ፣ ተራ ስልጣናዊ መርሕነት/ኣስተምህሮን፣ ጌጋ ስነ ትንተናዊ ከይዲታት ስዒቡ ካብ ዝወሃብ ኣተረጓጉማ ቅዱስ መጽሓፍ ዝከላኸል እዩ።
ብሉይ ኪዳን ንቤተ ክርስትያን ቀዳማይ ምንጪ ግልጸት እዩ። እዚ ግልጸት ብኢየሱስ ክርስቶስን ሓዲሽ ኪዳንን ምልኣት ዘለዎን፣ ቤተ ክርስትያን ተስተምህር፣ ስለዚህ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኪዳናት ቀጻልነትን፣ተኸታታልነትን፣ ምትእስሳርን ከምኡ እውን ፍጻሜኣዊ ምዕባለ ከምዘሎ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዓንቀጸ ሃይማኖታዊ ድንጋገ ብዛዕባ መለኮታዊ ክስተት “Dei Verbum-ቃለ እግዚኣብሔር” ኣቢሉ የረጋግጸልና እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊልም።







All the contents on this site are copyrighted ©.