2012-04-26 14:58:08

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ “ሸቶ ኤኮኖሚ ምዕባለ ሰብኣውነት ፍጥረት ሰብ እዩ”


ኣብ ቓጣር ርእሰ ከተማ ዶሓ ካብ ዕለት 21 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 26 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መበል 13 ናይ ንግድን ምዕባለን ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝረከቡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ፣ ሸቶ ኤኮኖሚ ምዕባለ ምሉእ ሰብኣውነት ፍጥረት ሰብ እዩ እንክብሉ፣ ነዚ ሓሳብ ከም ናይ ተስፋ ድምጽን ጻውዒትን ገይሮም እውን ከምዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ኣብቲ ቅልውላው ቁጠባ ዓለምን ስነ ምግባርን ብቑዕን ተቐባልነት ዘለዎ ኤኮኖምን ዕዮን ኣማእኪሉ ኣብ ዝዘተየ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 14 መስከረም 1981 ዓ.ም. ኣብ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት “Rerum novarum - ሓደስቲ ነገራት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰት ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ምኽንያ ዝደረስዋ “Laborem Exercens - ናይ ሥራሕ ተግባር” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም ዕዮ ወይ ድማ ዝሰርሕ ሰብ፣ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብ ካብ ምዃኑ ይበርኽ፣ እዚ ድማ ምስ ጠቓምነት ዝተተሓሓዘ ዘይኮነስ፣ እቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዝገለጽን ዘሕይልን ክብሪ ስለ ዝውንን እዩ። መንቀሊ ናይቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ገና መፍትሒ ዘይተረኽበሉ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖሚ፣ እቲ ኣብዚ እዋን ዓለም ዝኽተሎ ምስ ጭቡጥ ኩነት ዘይጣመርን ዘይቃደውን ናይ ኤኮኖሚ ሜላ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ዓለም ዝኽተሎ እዋናዊ ናይ ኤኮኖሚ ሜላ ኣብ ሕቶ ዘእትውን፣ ሓድሽ ኣብ ማኅበራዊ ፍትሕን፣ ኣብ ናይ ስነ ምግባር ክቡራት ዋጋታትን ንኣብነት ግልጽነትን ቅንዕናን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኃላፍነትን ኣብ ዝብሉ ኩብራት ዋጋታት ዝቖመ ክኸውን ከምዘለዎ ዘረጋግጽ እዩ። ስለዚህ ሰብኣውነት ሰብ ዘማእከለ ኮይኑ ምስ ዝቐውም ነቲ ኣብ ምጽንጻን ዝቖመ ሜላ ቁጠባን ዘስዕቦ ቅልውላው ንምውጋድ ከምዝከኣል ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ኣብ ናይ ምትሕስሳብ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝቖመ መላእ ዘርኢ ሰብ ሓደ ስድራ ዝገብር ሕውነት ዘጠቓልል ይኸውን ኢሎም።
ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ “Caritas in Veritate - ፍቕሪ ኣብ ሓቂ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው መበቆል ኤኮኖሚያዊ ወይ ድማ ቁጠባዊ ዘይኮነስ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ በዚ መሠረት’ዚ ካብቲ ምህላው እቲ ምዃን ዝዓበየ ምዃኑን ገሊጾም፣ ዘርኢ ሰብ ናብቲ ምዃኑ እናዓበየ ክኸይድ ኣለዎ ኢሎም። እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ዝማዕበላ ይኹን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ እውን ዘይፈልይ ንዅሉ ዝትንክፍን ነቲ ሓደኣው መሠረታዊ ድላይ ዘለዎ መላእ ዘርኢ ሰብ ዝጎድእ እዩ። ስለዚህ ናይ ኵሉ መሠረታዊ ድላዩ ክኽበረሉ ዝድግፍ ስርዓት ቁጠባን ኤኮኖምን ክሕንጸጽን፣ ብፍላይ ድማ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ደረጃ ክነቓቓሕ ሓደራ ቢሎም፣ ምዕባለ ውሑስ ዝኸውን ናይ ሓባር ምዕባለ ምስ ዝኸው ጥራሕ ኢዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.