2012-04-24 14:40:13

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ዓለም ሓቆፍ ሻብዓይ ጉባኤ ብዛዕባ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፣ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዕድል እዩ”


ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ “ፍሉይ መለለዪ መስሕብ በጻሕቲ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዕለት 23 ሚያዝያ ዝተኸፍተ ኣብ መክሲኮ ከተማ ካንኩን ካብ ናይ 40 ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መናብርትን RealAudioMP3 ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ኣገልግሎት መውሃቢ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ማኅበራት ልኡካን ብጠቅላላ 200 ተጋባእያን ዘሳትፍ፣ ሓፈሻዊ ርእየት ብዛዕባ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን፣ ሃይማኖታዊ በጻሕትን ሃይማኖታዊ መስሕብ መጻሕትን፣ በጻሕቲ ማኅበረ ክርስያንን ብዝብሉ ሰለስተ ንኡሳን ኣርእስታት ዝተመርሔ ክሳብ ዕለት 27 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ናብ ዝካድ ሻብዓይ ጉባኤ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ተቐባሊ ዝገበረ “ዓለም ሓቆፍ ሻብዓይ ጉባኤ ብዛዕባ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዕድል እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ናብቲ ጉባኤ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
በጻሕትን መስሕብ መጻሕትን ናይ ዕረፍቲ ግዜን ናጻ ግዜን ናይ ምቅብባልን ምክብባርን ሰላምን ዘተን መጋበርያ ውሁድ ቅንይት ብዙሕነት ኰይኑ እንጥቀመሉ ዕድል ክኸውን ከምዘለዎን፣ ኣብቲ ኵላትና ዝተጸዋዕናሉ መደብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ዘሎና ግዜን ነዚ ተልእኾ መገልገሊ ገይርና ክንጥቀመሉ ከምዝግብኣናን፣ ምስ’ዚ ኣተሓሒዞም በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ናይ ዝብጽሓ ሃገራትን ከባብን ጽባቔን ባህልን ተፈጥሮን ከነስተማቕር ዝሕግዝ መደብ ብምዃኑ ንናይ እምነት ተመክሮ ዝድግፍ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ኣጋጣሚ እዩ ቢሎም፣ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ንብዙሕ ናይ ሰብኣዊ ምሰልን ክብርን ዝግህስ ሓደገይናን ኣሉታዊ ተግባራት ዝተቓልዔ ከምዝኾነን፣ ከም ኣብነት ንጾታዊ (ግብረ ስጋ) ርክባት ዝኣመተ ግብረ ገባውን ስነ ኣዕምሮኣውን ስነ ጥዕናን ጸገማት ዘኸትልን፣ ናይ ዘርኢ ሰብን ኣባይቲ ስድራን ናይ ኅብረሰብ ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ፣ ንድኻታት ድኹም ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዘጥቅዕ መጋበርያ ጸያፍ ተግባር ኮይኑ ከምዝርኤ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ጸረ ሰብኣውን፣ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ ምስ በሉ ንናይ ጾታዊ ስምዒትን ንናይ ሰብነት ውስጠ ኣካል ንግድ ዘተኮረን ከምኡ እውን ትሕቲ ዕድመ ክፍሊ ኅብረተሰብ ንሓደጋ ምዝመዛ ዘቃልዕ መሸጣ ንግድ ደቂ ሰባትን ዓሚቱ ዝካየድ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ክውገድ ንዝግበር ጻዕሪ ቤተ ክርስትያን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ኣቢላ ዓቢይ ኣገልግሎት ከምእተቕርብን እዚ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክውገድ ኵለ መዳያዊ ሕንጸት ከምእተቕርብ መስኪሮም፣ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ኣቃውማ ቅርጹ ቅድም ቀዳም ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ተምህርቲ ዓንቀጸ ሃይምኖት ዝቖመን እዚ ድማ ስነ ምግባራውን ኃላፍነታውን ስነ ምኅዳራዊ ባህሊ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ንምንቕቓሕ ዝኣመተን ጽባቔ፣ እቲ ናብ ፈጣሪ ዝመርሕ ረቛሒ ምዃኑ ዘገንዝብን፣ ምብጻሕ ቅዱሳት ስፍራን ሱታፌ ኣብ ሊጡርጊያ ዘተባብዕ ኣብ ዝብልን ርክብ ኣብ መንጎ ሰባትን ሰብን ኣግዚኣብሔርን ዘነቓቕሕን ኣብ መወዳእታ ማኅበረ ክርስትያን ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ንናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕብየት ዝድግፍ መጋበርያ ገይሩ ክጥቀመሉን ዝተባብዕ ከምዝኾነ ተንቲኖም ንተጋባኣያን ሰናይ ከይዲ ጉባኤ ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.