2012-04-21 13:40:12

ማሊ፦ ብፁዓን ጳጳሳት ማሊ ፖለቲካዊ ከይዲ መሰጋገሪ መንግሥቲ ንኢዶም


ኣብ ማሊ ሰሜናዊ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ረድኤት ይቐርብ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብቲ ከባቢ እቶም ዓማጽያን ሓይሊ ኣብ ኣባይቲ ሕክምናን መኻዝናት መግባዊ ዝፈጸምዎ ዝርፋ RealAudioMP3 ዘስዓቦ ስእነት መግብን ኣፋውስን ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ መደብ ምቕራብ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነኣድ ምዃኑ ናይ ማሊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ኤድሞንድ ደምበለ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ማሊ እትርከብ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ምስቶም ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብምትሕብባር ነቶም ካብ ከባቢ ሰሜን ማሊ ናብ ደቡብን ካልኦት ቀረባ ከባቢታት ዝመዛበል ዘሎ ሕዝቢ መዕቆብን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ትዋሳእ ከምዘላ እውን ኣባ ደምበለ ከምዘመልከቱ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እቲ መደብ ምቕራብ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ስሩዕ ኮይኑ ክረጋግጽ መታን ኣብ ማሊ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብዚ መዳይ እውን ዓቢ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ፈጻሚ ወትሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎም ዝነበሩ 22 ናይቲ ዝነበረ መንግስቲ ኣባላት ሰበ ስልጣን ናጻ ከምዝለቐቖም ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣኑ ዝለቐቐ መንግስቲ ርእሰ ብሔር አማዱ ቱማኒ ቱረን ስድራ ቤቶምን ኣብ ሰነጋል ተዓቘይቦም ከምዘለዉን፣ ጊዚያዊ መራሔ መንግስቲ ዲያራ ጊዚያዊ መንግስቲ ንምቛም ምስ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት መደብ ዘተ ከምዘበገሱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ እቲ ዝተበገሰ ናይ ዘተ መደብ ዝነኣድ ምዃኑን ንጊዚያዊ ርእሰ ብሔር ዲዮንኩንዳ ቶራኦረን ንመራሔ መንግስቲ ቸይኪ ሞዲቦ ዲኣራ ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎምን፣ ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ውጥረት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎም ከምዝጽልዩን ብምርግጋጽ፣ ኣብ ማሊ ናይ ዝተፈናጨሉ ኃይልታት ድላይ ዘይኮነስ ድላይ ማሊ ዘረጋግጽ ኩነት ክፍጠር ሓደራ ከምዝበሉ ናይ’ታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ፍጻሜ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘመልከቱ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.