2012-04-19 14:24:31

ቲዮሎጊያዊ እማረ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16


ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮክ “ምስጢር ፍረ ኣድሪ፣ ሰረት ቲዮሎጊያዊ እማረ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ብወግዒ ንንባብ ከምዘቐረቡ እንክምልከት፣ ብፁዕነቶም እታ መጽሓፎም ንንባብ ኣብ RealAudioMP3 ዝበቓዓትሉ ጉባኤ ፍጻሜ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ምስላ ፍረ ኣድሪ ስለምታይ ከምእተጠቐሙ ክገልጹ እንከለዉ፣ እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦ ምስላታት ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ዝጥቀምሉ ከምዝኾነን፣ እቲ ኣብ ዓለምን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ዘሎን ዝርኤን ኩሉ ካብ ንእሽተይ ዘርኢ ዝብገስ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ናይ ንእሽተይ ዘርኢ ምስላ እታ ኣብ መንጎ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን እትነብር ቤተ ክርስትያን ዘመልክት ምዃኑ ይገልጹ። ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ዝተወለድሉ ዕለትን ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉሉ ዕለት ቀዳም ቅድሚ በዓለ ፋሲካ ከምዝነበረን በዚ ምኽንያት’ዚ ሕይወቶም ወትሩ ብመንጽር ፋሲካ ከምዝርድእዎን ከምዝትርጉምዎን እውን ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 16 ሚያዝያ 1927 ዓ.ም. መበል 85 ዓመት ልደቶም ዝሓለፈ ሰኑይን ዕለት 19 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሾሙሉ ሻብዓይ ዓመት ሎሚ ክምእተዘከረን እውን ዘኪሮም፣ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2011 ዓ.ም ኣብ ጀርመን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣብ ኤርፉርት ምስ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ተራኺቦም ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ብሓቂ ኣብ ጴጥርሳዊ ተልእኾኦም ውህደት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ቀዳምነት ዝህብሉ ድላይ ጎይታና ኢየሱስ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ ኅብረተሰብ እግዚኣብሔራዊ ሕቶ እቲ መሰረታዊ ናይ ወትሩ እዋናዊ ሕቶ ከምዝኾነን፣ ምእንቲ’ዚ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ማኅበረ ክርስትያንን ብሓባርን ውህደትን ብዛዕባ ኅላዌ እግዚኣብሔር ንኽምስክራ ዘተባብዕን ሓላፍነትን እውን ምዃኑ ኣገንዚቦምን ምዒዶምን እዮም። እምነት ክርስትና ራእይ ክርስቶሳዊ-ማእከልነት ዘለዎ ምዃኑ ወትሩ ዘስምሩሉ ቲዮሎጊያዊ እማረን ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ እዩ። ስለዚህ ምስክርነት ክርስትና ኣብ ትንሳኤ ጐይታ ዘተኩር እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.